July 11, 2023

ቅያ ስጡም መስርዕ!
ናቕፋ፡ ማእከል ስሕበት ሓርነታዊ ቃልሲ
(3ይ ክፋል)

ሰሎሙን በርሀ
ብ17 መስከረም 1976፡ ቦጦሎኒ 500፡ ሓንቲ ሓይሊ ናይ ቦጦሎኒ 301፡ ከምኡ’ውን ዝበዝሕ ክፋል ቦጦሎኒ 607 ኣብ ናቕፋ መጥቃዕቲ ከካይዳ፡ እተን ዝተረፋ ክልተ ሓይሊ ቦጦሎኒ 301 ኣብ ኣፍዓበት፡ ቦጦሎኒ 9 ድማ ኣብ ሩባ ዓንሰባ ኰይነን ንናቕፋ ክመጽእ ዝኽእል ረዳት ሓይሊ ክዓግታ ተወጢኑ፡ ኣብ ልዕሊ መዓስከር ናቕፋ መጥቃዕቲ ጀመረ። ኣብዚ ናይ 17 መስከረም መጥቃዕቲ ሓንቲ FH-86 ዝዓይነታ ስርሓት ኣመሪካ ነፋሪት ውግእ፡ ብኣጽዋር ጸረ-ነፈርቲ ቦጦሎኒ 500 ተሃሪማ ወደቐት። እዚ መጥቃዕቲ’ዚ ኣጋር ሓይልታት ብከቢድ ብረት እናተደገፋ ዘካየዳኦ’ኳ እንተነበረ ከምቲ ዝተደልየ ኣይሰለጠን። እቲ ከም ቀንዲ ድኽመት ዝተገምገመ፡ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ኣብቲ ናይ ለይቲ መጥቃዕቲ ስሙር ስልታዊ ምንቅስቓስ ክገብራ ዘይምኽኣለን እዩ። እቲ ነዊሕ ናይ ውግእ ተሞኩሮ ዝነበሮ ሰራዊት ደርግ፡ መዓስከራቱ ንሓድሕዱ ብግቡእ

Latest Articles

شكرا لشعب وحكومة ورئيس ارتريا بقلم: محمد عبد الله همت

Tour de France 2024

መጅልስ አምን ወለዛልም ቀራራቱ ድድ ኤረትርየ (12ይ...