September 12, 2025
ስዉእ ተጋዳላይ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ
ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
ሱርን መሰረትን መጐታዊ መቆሚን ዘለዎ ቁልዒ ናብ ባርዕ ክልወጥ ግድን እዩ። እንተኾነ ግን ቁልዒ ሰውራ ኤርትራ ንምጥፋእ ብክልቲኡ ናይ ምዕራብን ምብራቕን ደምበታት ኣሜሪካን ሶቬት ሕብረትን ስዓብቶምን ዝድገፍ ኩሉ ዓይነታት ዘመናዊ ኣጽዋር እንኮላይ ብኣህጉራዊ ሕጊ ዝተኸልከለ ብመሬት፡ ኣየርን ባሕሪን ዝተጠቕመ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓየለ ሰራዊት ናብ ናይ ህልውና ኲናት ዝድምስስ እሳተ-ጐመራ ክልወጥ ግድን ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ነቶም “ዝተረስዐ ሰውራ” እንሓንሳብ ድማ “ዝኸሰረ ሰውራ” እናበሉ ክድምሰስ’ዩ ኢሎም ዝዛረቡ ዝነበሩ ተዓዘብቲ ሃንደበትን ዘደንጹን ዝኾኖም፡ ዓቢ ብድሆታትን ንህላወኡ ዘስግእ ሓድሽ ስግኣታትን ኣብ ዘጋጥሞ እዋን ዝያዳ እናሓየለን እናሰፍሐን ምኻዱ እዩ። እሞ እቲ