February 14, 2026

ወግዒ ታሪኽ ፈንቅል – ቅያ ኣናብስ

ግርማይ ወልደግዮርጊስ (መንከኒኖ)
ታሪኽ ሓንኲኽካ ከምዝነበሮ፡ ወይ ገፈል መፈሉ ኣሊኻ ወይ ድማ ንግዜ ዝግደፍ ገዲፍካ፡ ነቲ ምስ ግዜ ዝኸደልካ ጥራይ ጎሊልካ ብምውጻእ፡ ብብዙሕ ኣገባብን መኣዝንን ክጸሓፍ ከምዝከኣል ተመኩሮ ብዙሓት ጸሓፍቲ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ። ናይዚ ቀሊል ኣብነት፡ እቲ ንታሪኽ ቃልስና ምርኩስ ብምግባር ብኢትዮጵያውያን ጸሓፍቲ ብዝንቡዕ ኣገባብ ተደሪሱ ብ“ኣጀኹም” በሃልቲ ተተባቢዑ ነናሻዕ ዝሕተም ዘሎ ከም “ሻዕብያ ኣልማረከኝም” (ሻዕቢያ ኣይማረኸንን- ነዚ ዝምልከት’ውን ኣብዚ ዛንታ’ዚ ክበርህ እዩ) “ቅስም የሰበረ እርምጃ” (ፍናን ዝሰበረ ስጉምቲ) ወዘተ. መጻሕፍቲ ምጥቃስ ይከኣል። እዚ ብስም “ናይ ህላወን ሞትን ውግእ-ፈንቅል” ብዝብል ዝቐርብ ዘሎ ጽሑፍ ድማ፡ ነቲ ንታሪኽ ቃልስና ንምዝንባዕ ዝጸሓፍ ዘሎ ህውታትያ ጽሑፋት ግብረ መልሲ

download

Latest Articles

اليوم العالمي للمرأة 2026: المرأة الإرترية والقيادة عبر الأجيال

International Women’s Day 2026:

Gender: EPLF and Eritrean government initiatives