April 1, 2022

ውግእ እዳርህንጀር – 9 ጥሪ 1962

5ይ ክፋል

መምህር ነጸረኣብ ኣዛዚ

ድሕሪ ውግእ ኣብናየት (3 ታሕሳስ 1961) ሓምድን ብጾቱን ንወርሒ ዝኣክል ካብቲ ዝጸናተዎም ዝነበረ ሓይሊ ፖሊስ ክኽወሉ ኣሕለፍዎ። ኣብ ዝሓደርዋ ኣይውዕሉን፡ ኣብ ዝወዓልዋ ኣይሓድሩን እዮም። ጸላኢ ንምድንጋር ኣርሒቖም ይጓዓዙ፡ ብኡ ንብኡ ድማ ናብ ዝነበርዎ ይምለሱ። ንደቡብ ዝኸዱ ተመሲሎም ንሰሜን ይስወሩ። ሓደ ምሸት በመንጎ ሃይኮታን ተሰነይን ጽርግያ ሰንጢቖም ክሓልፉ ከለው፡ ኣለና ንመበሊ ኣብ ፓሎ ተሌፎን ሓኹሮም ብጉጤት ነቲ ስልኪ በታተዅዎ። ኣንፈቶም ንፎርቶ ሸነኽ’ዩ ነይሩ። ሩባ ሓሸንኪት በቲኾም ብፋራ- ባዴን ኣቢሎም መረዊት በጽሑ። ካብኡ ናብ ኣዳል ዝወስድ መንገዲ ሒዞም ኣብ በሪኽ ቦታ ምስ ወጹ እተን ብመንግስቲ ዝተወርሳ ጥሪት ሓምድን ቤተ-ሰቡን ካብ ተሰነይ ንኣቑርደት ገጸን ብፖሊስ ተኸብኲበን ክኸዳ ረኣዩ። ሽዑ ንሳቶም መደብ ጸላኢ ንምፍሻል ተሃንጠዩ። ሓምድ ግን “ግደፉዎም ይሕለፉ” በሎም። ሓምድ ዘቕረቦ ምኽንያት፡ “እንተ ተኲስና ንዑ ሕሙማትና ማርኹልና ማለት’ዩ። ከብቲ ሒዝና’ኸ ክንጓስየን ዲና ክንጋደል። ንሕና ተቓለሰቲ ኢና።

download

Latest Articles

Eritrea’s Agricultural Development Over the Past 35...

Eritrea: The Long Road to Independence

خطاب الرئيس اسياس أفورقي بمناسبة العيد الخامس والثلاثين...