September 16, 2022

ድርሳነ-ሃለፍታ ጃንዳ ወያነ

ብ8 ነሓሰ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ (17 ነሓሰ 2022)፡ “ኣካዪዳን ስትራተጂን መዛዘሚ ምዕራፍ” ዘርእስቱ፡ ወያነ ኣብ 11 ገጻት ዝሓንጠጦ ምስጢራዊ ሰነድ ሰሊዂ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መዛረቢ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ሰነድ፡ ንኣጉል ሕልሚን ዕብዳንን ወያነ፡ ስትራተጂ ትግባረ ናይዚ ዕብዳን’ዚ ዘሰንዮ እከይ ውጥናትን ሽርሒታትን ዘቃልዐ ኮይኑ፡ ቅድመ-ሕልፈት ዘሎ ድርሳነሃለፍታ ክበሃል ዝከኣል እዩ። ቅጽላትን ኰልኰል ሓረጋትን ጸልጺልካ፡ ንፋይ ትሕዝቶ’ቲ ሰነድ ምስ ዝንበብ፡ ኣብ “መእተዊ” ኣስፊርዎ ዘሎ፡ ቅብጸተ-ተስፋን ናይ መወዳእታ ኣማራጺን ናይቲ ጃንዳ፡ ግድፈት ቋንቋኡ ከይተስተኻኸለ፡ ቃል ብቓሉ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦ – “ኣብ ኣደራዳሪነት ሕብረት ኣፍሪካ ዝነበረና ተስፋ ክቕህም ተገይሩ’ዩ፡፡ ስለዝኾነ፣ ንወፍሪ መወዳእታ ምዕራፍ ክንዳሎ ተገዲድና ኣለና፡፡ – “ብኣደራዳሪነት ዝመፁ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ንኣቢይ ኣሕመድ ብዘለዎም ፍቕርን ሓልዮትን ሚዛናዊነቶም ጎደሎ ኾይኑ ረኺብናዮ ኣለና። – “ኣብ ከይዲ ዂናት ልዕልና ሓበሬታ ምርካብን

download

Latest Articles

شكرا لشعب وحكومة ورئيس ارتريا بقلم: محمد عبد الله همت

Tour de France 2024

መጅልስ አምን ወለዛልም ቀራራቱ ድድ ኤረትርየ (12ይ...