December 16, 2017

ዓቢ ፖለቲካዊ ጸወታን ሻውዓይ ምዕራፍ ባይቶ ጸጥታን

5ይ ክፍል

መልሲ ንዓማጺ ክሲታት ባይቶ ጸጥታ

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

ቀዳማይ፦ ባይቶ ጸጥታ “ኤርትራ፡ ሰላምን ዕርቂን ሶማል ንምዕንቃፍን ዞባዊ ርግኣት ንምህዋኽን ንዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ፖለቲካዊ፡ ፋይናንሳውን ሎጂስቲካውን ሓገዝ ትህብ ኣላ” ክብል ከሲሱ። እንተኾነ እቲ ሓቂ፦ኤርትራ ንዝተወሰኑ ዕጡቓት ተቓወምቲ እትህቦ ፖለቲካዊ ሓገዝ የለን። እኳ ድኣ ፖሊሲ ኤርትራ ንኹሎም ሶማላውያን ኣብ ሓደ ሃገራዊ ፕሮግራም ኣሰማሚዑ ነታ ሃገር ካብዚ ንህላወኣ ኣብ ፖለቲካዊ ካርታ ዘስግእ ቀታሊ ሽግር ንምውጻእ፡ ንኹሎም ሃገራውያን ሶማላውያን ሓይልታት እንኮላይ ምሁራት ክፍሊን ወከልቲ ሲቭላዊ ሕብረተሰብን’ዩ ዝሕግዝ። ብ6 መስከረም 2007 ዝተኻየደን ኩሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ሶማል ዝተሳተፍዎን ጉባኤ ኣስመራ ከኣ ናይ’ዚ ኣብነት እዩ። እዚ ድማ ኤርትራ ክሲ ስለ ዝመጽኣ ኣሉ እትብሎ ዘይኮነስ፡ ክብሪ ዝህባ ብምዃኑ፡ ንኹሎም ሶማላውያን ናብ ሓደ መኣዲ ንምምጻእ ብቐጻሊ ክትሕግዝ እያ። ምኽንያቱ ፖለቲካውን ሕጋውን መሰላ…

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ