December 12, 2020

መጽሓፍ ብዛዕባ
ሽግር ሶማልያ ታሪኻዊ ዕምቈቱ ፖለቲካዊ
ምዕባለኡን መጻኢ ኣንፈቱን

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

መእተዊ
ጀነራል መሓመድ ስያድ ባረ ካብ’ቲ ብ21 ጥቅምቲ 1969 ወተሃደራዊ ዕልዋ ዘካየደሉ እዋን ጀሚሩ፡ ን22 ዓመታት ንሶማልያ ምስ መርሐ፡ ብ26 ጥሪ 1991 ካብ ስልጣን ተኣልዩ። ምስ ምውዳቕ ስርዓት ጀነራል ባረ ድማ ዂሉ ትካላዊ መንግስቲ ሶማልያ ፈሪሱ። ጠንቂ ናይ’ዚ ተርእዮ’ዚ ዂለን ተቓወምቲ ውድባት ሶማልያ፡ ኣብ ሓደ ፖለቲካውን ቊጠባውን መሰጋገሪ ፕሮግራም፡ ብዝተሓተ ደረጃ’ኳ፡ ኪሰማምዓ ብዘይምኽኣለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ምስ ምውዳቕ ስርዓት ጀነራል ስያድ ባረ፡ ኣብ ምሉእ ሶማልያን ኣብ ርእሰ ኸተማኣ፡ መቓድሾን ዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ባዶሽ ንምምላእ፡ ኣብ ንሓድሕደን ውድድርን ምቅትታልን ምክያደን እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ሶማልያ ሉኣላውነታ ተዳኺሙ፡ ኣብ ንህላወኣ ዘማህመነ ደማዊ ዂናት ሓድሕድ ተሸሚማ።

download

Latest Articles

ባሕቲ መስከረም 1961 ቁልዒ ዕጥቃዊ ቃልሲ ናብ ደምሳሲ...

Cableway in Eritrea: its History and Prospects for its...

መልእኽቲ ህ.ግ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ምጅማር...