December 19, 2020

መጽሓፍ ብዛዕባ
ሽግር ሶማልያ ታሪኻዊ ዕምቈቱ ፖለቲካዊ
ምዕባለኡን መጻኢ ኣንፈቱን

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
መዘኻኸሪ
እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ብኣርባዕተ መጽናዕታዊ ኽፋላት ዝቖመት’ያ፡፡ እቲ ኽፋላት ብ2001፡ 2006፡ 2010ን 2018ን ዝተዳለወን ኣብ ሽግር ሶማልያ ዘተኰረን’ዩ። ኣንባቢ ንነፍስ ወከፍ ክፋል ኮን ቅድሚኡ ዘሎ ኽፋል ከይተወከሰን ብድሕሪኡ ናይ ዚመጽእን ትሕዝቶ ከይተመልከተን ንበይኑ ኸንብቦ ዘጸግሞ ኣይኮነን።

ቀዳማይ ክፋል
ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ

ኣብ ኣእምሮ ነፍስ ወከፍ ብጒዳይ ሶማልያ ዚግደስ፡ ንሕሉፍን ህልውን ወተሃደራዊ ምዕባለታቱን ዘሕዝን ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳቱን ዚከታተልን ንገዛእ ርእሱ ምስ ሓው ህዝቢ ሶማልያ ተሪር ምትእስሳር ከም ዘሎዎ ገይሩ ዚርእያን ሰብ፡ ህዝቢ ሶማልያ ኣብ ክልተ ሽሕ ዓ.ም. እንታይ ዕድል ከጋጥሞ’ዩ? ንመሬትን ህዝብን ሶማልያ ናብ ናይ ሓባር ጥፍኣት ዚዕድም፡ ሓው ንሓው ኪቐትል ከም ፍታሕ ዚርእየሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ዚብሉ ሕቶታት ይቕረጽዎ። ነዚ ዝተጠቕሰ ሕቶ ንምምላስ እምበኣር፡ ንድሕሪት ብምምላስ ንታሪኽ ህዝብን መሬትን ሶማልያ ምውካስ የድሊ።
ሶማልያ ከም ኲለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መወዳእታ መበል19 ክፍለ ዘመን እያ ነዚ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ሒዛቶ ዘላ ጀኦፖለቲካዊ ኻርታ ሒዛ ዝተቐልቀለት። ሓንቲ ካብተን ግዳያት ጉባአ በርሊን (1884-1885) ዝኾና ሃገራት’ውን እያ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ መግዛእታውያን ሃገራት ኤውሮጳ፡

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ