January 9, 2021

መጽሓፍ ብዛዕባ ቅልውላው ሶማልያን
ራብዓይ ክፋል
ዕምቈት ሽግር ሶማልያን ጠንቅታቱን

መእተዊ
ብመጀመርታ ሽግራት ሶማልያን ጠንቅታቱን ብዝርዝር ከነቕርቦ ከም ዘይኮንና፡ ንኣንባቢ ከነዘኻኽር ንፈቱ። ነቲ ኣብ ነንሓድሕዱ መሰረታውን ተሪርን ምትእስሳር ዘሎዎ ኪፈላለ ዘይከኣል ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቊጠባውን መዳያቱ ክንርኢ ኢና ።

መሰረት ሽግር ሶማልያ
ከም ዚፍለጥ ዶባት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጉባአ በርሊን 1884-1885 ብዝተገብረ ስምምዕ፡ ካብ መግዛእቲ ኤውሮጳ’ዩ ተወሪሱ። ዶባት ሃገራት ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ብመሰረት ሓይሊ ሚዛን ኣብ መንጎ ብሪጣንያ፡ ኢጣልያን ፈረንሳን’ዩ ተመልኪቱ። ነዚ ኪፍጽማ እንከለዋ ንኣቃውማ ህዝብ’ታ ኽፍለ ዓለም ኣብ ግምት ኣየእተዋኦን። ንመግዛእታዊ ሸውሃተን ጥራይ ንምርዋይ ተባሂሉ ዚምልከት ዶብ ዘስዕቦ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን፡ ሰብኣውን ጸገማት’ውን ኣይተገደሳሉን። ህዝቢ ሶማልያ ድማ ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ሓሙሽተ ክፍልታት ተመቓቒሉ። ንሳተን ከኣ፦

1. ሶማሊላንድ ብሪጣንያ (ሶማሊላንድ)
2. ሶማሊላንድ ኢጣልያ – ኢጣልያ ሶማልያ- (ደቡባዊ ወገን)
3. ሶማሊላንድ ፈረንሳ (ምድሪ ዓፋርን ዒሳን ማለት ጂቡቲ)

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ