January 2, 2021

መጽሓፍ ብዛዕባ
ቅልውላው ሶማልያን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን

ሳልሳይ ክፋል

ብልጭታ ተስፋ ኣብ መሽጐራጒር ቅልውላው ሶማልያ

ምዕባለ ፍጻመታት ሶማልያን ውጽኢቱን

ስርዓት ፕረዚደንት ሶማልያ ዝነበረ መሓመድ ስያድ ባረ ብ26 ጥሪ 1991 ድሕሪ ምውዳቑ፡ ሶማልያ ሰላም፡ ጸጥታን ርግኣትን ኣስተማቒራ ኣይትፈልጥን ጥራይ ዘይኮነ፡ ግዳይ ናይ’ቲ ኣብ ልብን መንፈስን ሶማላዊ ሃገራዊ መንነት ኲናቱ ዝሸኸለ ቀቢላውን እንዳውን ቊርቊሳት’ያ ኮይና። እዚ ድማ ነቶም ሃገራዊ ደስፕሊን፡ ፖለቲካዊ ቐይድን መንፈሳውን ኣእምራውን ስነ ምግባርን ዘይብሎም፡ ንተራ ንጹሃት ዜጋታት ዘሳቕዩ “ብኣበጋዛት” ዚፍለጡ፡ ብህርፋን ስልጣን ዝዓወሩ፡ ብዘይካ ንገዛእ ርእሶም ንኻልእ ዘይውክሉ፡ ዕሸላውያን ወተሃደራውያን ምንቅስቓሳት ንኺራብሑ ዕድል ከፊቱ።
ኣብ ሶማልያ ዝተኸስተ ፖለቲካዊ ሃዋህው፡ ኣስላማዊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ምንቅስቓስ ንክቕልቀል ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩ። ካብ ማእከል እዚ ምንቅስቓስ’

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን