December 26, 2020

መጽሓፍ ብዛዕባ
ቅልውላው ሶማልያን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን
ካልኣይ ክፋል

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
ጒዳይ ሶማልያ ኣብ’ቲ ብ12 ጥቅምቲ 2001 ዝተኻየደ መበል 56 ሓፈሻዊ ስሩዕ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣኼባታት [1] ባይቶ ጸጥታን ቀዳማይ ኣጀንዳ ሒዙ ነይሩ። እዚ ድማ ምሉእ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ካብ’ቲ ስርዓት ፕረዚደንት ሶማልያ ነበር፡ ጀነራል መሓመድ ስያድ ባረ ዝወደቐሉ፡ ጥሪ 1991 ኣትሒዙ ዝቐጸለ ሽግር ንምውጽኣ ዓቢ ኣቓልቦ ከም ዝሃበሉ ዚሕብር እዩ። ከም ዚፍለጥ ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ቅኑዓት፡ ዘይቅኑዓትን ውዲታውን ተበግሶታት ተራእዮም’ዮም። ብድሕር’ዚ ኣብ ጥቅምቲ 2000፡ ፕረዚደንት ጂቡቲ፡ እስማዒል ዑመር ገለ ብዘካየዶ ጻዕሪ፡ ኣብ ዋዕላ ዓርታ፡ ጂቡቲ፡ ብመሪሕነት ፕረዚደንት ዓብዱልቓስም ሳላድ ሓሰን፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ ተመሪጹ። እዚ መሰጋገሪ መንግስት’ዚ ንሰለስተ ዓመታት ጥራሕ ዚቕጽል ስልጣን ነይርዎ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ቀዳምነታቱ ብኸምዚ ዚስዕብ ሰሪዑ ተበጊሱ።
– ኲናት ሓድሕድ ንዘዕነዋ ሶማልያ ዳግም ምህናጽ፡

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን