August 13, 2023

ምምስራት ግንባር ናቕፋ
ናቕፋ፡ማእከል ስሕበት ሓርነታዊ ቃልሲ
(8ይ ክፋል)

ሰሎሙን በርሀ
ጸረ-መጥቃዕቲ ህዝባዊ ሰራዊት (ተበግሶ 2-16 ታሕሳስ 1979) ካብ መፋርቕ 1978 ክሳብ መፋርቕ 1979 ዝነበረ መድረኽ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ካብ ዝሰፍሐ ሓራ ቦታታት ኤርትራ ስትራተጂያዊ ምዝላቕ ብምግባር፡ ሓሙሽተ ከበድቲን መረርቲን ወራራት ኣምኪኑ ህላወኡ ዘረጋገጸሉ፡ ወሳኒ መድረኽ ብረታዊ ቃልስና እዩ። ብኣንጻሩ፡ ወራሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከቢድ ናይ ሰብን ኣጽዋርን ክሳር ተሰኪሙ፡ ንሰውራ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ናይ ምድምሳስ ውጥኑ ዝፈሸለሉ ነበረ። ድሕሪ ሓሙሻይ ወራር ከኣ፡ ናይ ምድኻም ኣንፈቱ ጎሊሑ ተራእየ። ብመንጽሩ እቲ ሓሙሽተ ወራራት መኪቱ ዘፍሸለ ህዝባዊ ሰራዊት ብቕዓቱን ሞራሉን ርእሰ-ምትምማኑን ናብ ዝበረኸ ደረጃ ዓረገ። ድሕሪ ሓምሻይ ወራር፡ ብወገን ደርግ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝኣክል ዝዀነ ናይ ወራር ምቅርራብ ኣይተራእየን። እዚ ከኣ ምልክት ድኻሙ ነበረ። ኩነታት ሰራዊት ጸላኢን ወገንን

download

Latest Articles

መጅልስ አምን ወለዛልም ቀራራቱ ድድ ኤረትርየ

Keynote Address of Minister Fawzia Hashim at the...

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...