July 31, 2023

ምምስራት ግንባር ናቕፋ ናቕፋ፡
ማእከል ስሕበት ሓርነታዊ ቃልሲ
ስትራተጂያዊ ምዝላቕ
(6ይ ክፋል)

ሰሎሙን በርሀ
መፋርቕ 1978፡ ስርዓት ደርግ ገዚፍ ወተሃደራዊ ሓገዝ ሕብረት ሶቭየት ድሕሪ ምስናቑ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ሚዛን ሓይሊ መሰረታዊ ምቅይያር ስለዝተኸስተ፡ መኽሰባት ሰውራ ክሕሎ፡ ሰውራ ክዕቀብን ክድሕንን ሓደ ወሳኒ ስጉምቲ ምውሳድ ዝጠልብ ወሳኒ እዋን ነበረ። ነቲ ብወገን ደርግ ተዳልዩ ዝነበረ ክሳብ ዓንቀሩ ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐ ገዚፍ ወራሪ ሰራዊት፡ በቲ ውሱን ዓቕሚ ሰውራ ተመጢጥካ ክትገጥሞ ዝከኣል ስለዘይነበረ፡ ዓቕምኻ ጠርኒፍካ ከተድምዓሉ እትኽእል ቦታ መሪጽካ፡ ኣብ ዝተናውሐ ኲናት ኣረብሪብካ ምስዓሩ፡ መተካእታ ዘይነበሮ ምርጫ ኮነ። በዚ ድማ ብወገን ሰውራ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ህዝባዊ ግንባር፡ ስትራተጂያዊ ምዝላቕ ክግበር ተወሰነ። ኣብ ሰነ 1978፡ ስርዓት ደርግ ንቀዳማይ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ነቐለ። ኣብ ኣስመራን ካልኦት ተኸቢበን ዝነበራ ከተማታትን ዝነበረ ሰራዊት ወሲኽካ፡ ኣብዚ ወራር’ዚ ልዕሊ

download

Latest Articles

Keynote Address of Minister Fawzia Hashim at the...

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...