August 8, 2023

ምምስራት ግንባር ናቕፋ ናቕፋ፡
ማእከል ስሕበት ሓርነታዊ ቃልሲ
(7ይ ክፋል)

ሰሎሙን በርሀ
እቲ ካብ 1979 ክሳብ 1988 ኣብ ዝነበረ 9 ዓመታት ሓያል ምርብራብ ዝተኻየደሉ ግንባር ናቕፋ ኣብ እዋን ሳልሳይ ወራር ኣብ ፈለማ ኣዋርሕ 1979 እዩ ከም ናይ መወዳእታን ቀዋሚን ዕርዲ ተመስሪቱ። ህዝባዊ ሰራዊት ኣፍዓበት ድሕሪ ምግዳፉ፡ ፈለማ ኣብ ከባቢ ሩባ ሕዳይ እዩ ዓሪዱ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ጸላኢ ንግብረ-ሃይል 506- ለ ካብ ከረን ክሳብ ኣፍዓበት ኣብ ዝርከብ ቦታታት ሓለዋ ገዲፉ፡ ግብረ-ሃይል 508 ምስ 506-ሀ ተደረብቲ መካናይዝድ ብርጌዳትን ኣሰሊፉ፡ ብመዳፍዕ፡ ታንክታትን ነፈርትን ተሰንዩ ከይወዓለ ከይሓደረ እግሪ እግሪ ህዝባዊ ሰራዊት ብምስዓብ ሕዳይ በጽሐ። ካብ 2 ክሳብ 4 ለካቲት 1979 ድማ ኣብ ሕዳይ ብርቱዕ ውግእ ተኻየደ። ሰራዊት ጸላኢ፡ ብናይ ክንፊ መጥቃዕቲ ብናሮ ኣቢሉ ንናቕፋ ብቐሊሉ ክኣቱ ከምዝኽእል ስለ ዝተገመተ ከኣ፡ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ሩባ ሕዳይ ገዲፈን፡ ናብ ኣፍደገ ናቕፋ ብምስሓብ፡ የማነ ጸጋም

download

Latest Articles

መጅልስ አምን ወለዛልም ቀራራቱ ድድ ኤረትርየ

Keynote Address of Minister Fawzia Hashim at the...

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...