November 13, 2021

ቀዳሞት ግጥማት ሓርነታዊ ቃልሲ
10ን መወድእታ ክፋል

መምህር ነጸረኣብ ኣዛዚ

ውግእ ጀንገሬን 4 ጥሪ 1964
ድሕሪ ኣኼባ ኩር (ጥቅምቲ 1963) ጋንታታት እኹል ዕረፍቲ ወሲደን ናብ ዝተመደብኦ ከባቢታት ነቐላ። ጋንታ ዑመር እዛዝ ብሮራ ማርያ ናብ ዓንሰባ ወሪዳ ክሳብ ጀንገሬን (ሰደሪ) በጽሐት። ሓበሬታ ዝበጽሖም ፖሊስ፡ ተጋደልቲ ካብ ድቃሶም ተንሲኦም ሻሂ እናፍልሑ ከለዉ ደበኽ በሉዎም። ድምጺ መኪና ዝሰምዐ ኣድም ፎጃጅ “ሎሚ ኣዋልድ ጀንገሬንን ሓልሓልን ክንርኢ ኢና” ኢሉ እናተዋዘየ ናብ ጽርግያ ገጹ ወረደ። ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ኮይኑ ክከታተል ዝጸንሐ ዑመር ግን፡ ወተሃደራት ዝጸዓና መካይን ምዃነን ኣረጋጊጹ ንፎጃጅ ተኣለ ክብሎን ወተሃደራት “እንሀለ ሽፍታ” ኢሎም ክትኩስሉን ሓደ ኮነ። ሽዑ ኣብ መንጎ ተጋደልትን ብካፕቴን ዑቕባሚካኤል ክፍላይ ዝመርሑ ፖሊስን ደማዊ ኩናት ተኻየደ።

ብመሰረት ሰነዳት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ግጥም’ዚ ሓደ ሻምበልን 16 ወተሃደራትን ክቕተሉ ከለዉ 11 ድማ ቆሰሉ። እቲ ሰነድ ናብ ላዕላይ ኣካል ዝቐረበ ጸብጻብ ስለዝኾነ ተኣማኒ’ዩ። በዚ መሰረት ቃልሲ ካብ ዝጅምር ክሳብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝበዝሐ ቁጽሪ ምውታትን ቁሱላትን ዝወረደ ኣብዛ ፍጻመ’ዚኣ እዩ። እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ 31 ጠበንጃ ሓደ መትረየስ፡ ክልተ ሽጉጥን 1800 ጠያይት ብተጋደልቲ ከምዝተመንዝዐ ይገልጽ። እዛ ግጥም’ዚኣ ፍልይቲን ዕውትቲን ዝገብራ፡ ዝተሰውአ ወይ ዝተወግአ ተጋዳላይ ዘይምንባሩ’ዩ። ኢትዮጵያ ዝወረዳ ስዕረት ምጽዋር ስኢናቶ፡ ሓድሽ ሓይሊ ኣሰር ኣሰር’ቶም ተጋደልቲ ኣውፈረት። የግዳስ፡ ኣብ ሰብዓት-ቅርድ ለይቲ እቶም ተጋደልቲ ደቂሶም ከለዉ ሓደጋ እኳ እንተወደቑዎም፡ ብዘይካ ሰለስተ ኣርባዕተ ብረት ከምልሱ ኣብ ሰብ ዘውረድዎ ክሳራ ኣይነበረን።

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን