October 16, 2021

ቀዳሞት ግጥማት ሓርነታዊ ቃልሲ
(6)

መምህር ነጸረኣብ ኣዛዚ

“ብረት ክፍተን ኣለዎ፣ ልምምድ ጨመተ ተዂሲ (ደርበን’ናር) ክንገብር ኣለና” እናበሉ ብጾቱ ድቃስ ዝኸልእዎ ሓምድ፡ ሓደ መዓልቲ፡ “ከላስ ሎሚ ክፍተን’ዪ” በሎም። እዚ ኣብ ከባቢ ኦማል’ዩ። ሰቡራ (ናይ ዒላማ ሰሌዳ) ነዳሉ ተባህለ። ሓምድ ገሪምዎ፡ “ከምቲ ንስኻትኩም እትደልይዎ ናይ ሰራዊት ሰቡራ ኣብዚ’ዶ ክርከብ ኮይኑ፡ ኣብ በረኻ እምበር ኢና ዘለና፡ ኣብ ክንድኡ ላዕለዋይ ጫፍ ናይ ጒላ ጸሪብኩም ጸሊምን ጻዕዳን እምኒ ወትፍሉ’ሞ፡ ኣብኡ ብረትኩም ትፍትኑ” በሎም ደስ ከይበሎ፡ ንዕኦም ከሐጉስ። ጒላ ጫፉ ተጸሪቡ፡ ከምቲ ዝበሎም ጻዕዳን ጸሊምን ኣእማን ኣኪቦም፡ ጸሊም ኣብ ማእከል ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ጻዕዳ ተሰዂዑ ምምቅርራባት ተገብረ። ናይ መን ብረት ተኲሱ? ናይ መን ዓኪሱ፡ መን ጨሚቱ? መን’ከ ስሒቱ? ክፍለጥ ሓደ ድሕሪ ሓደ ኩሎም ተር ከም ዓተር ተሰርዑ። ወዮ ንጸላኢ ከጥቅዕ ተዳልዩ ዝነበረ ጠበናጁ ናብቲ ጒላ ቀንዐ። እንተኾነ ዝወሓደ ዒላማ ክወቅዕ ከሎ፡ እቲ ዝበዝሐ ስሒቱ ባው በለ። ገሊኡ ጠበናጁ ድማ ጥይት ሓኒቑ ኣጽቅጠ። ብውጽኢት ናይ’ቲ ፈተና ዝተሰናበዱ ዓስክር-ሱዳን ነበር፡ “ብረተይ ኣብያ፡ ብረተይ ዒላማ ኣይወቕዐትን ተስፊር (ምስትኽኻል ብረት) ክግበር ኣለዎ” እናበሉ ዘይዕግበቶም ደርጉሑ። ሓምድ ብቐንዱ ስግኣት ጸጥታ ካብኡ ናብኡውን እተን ቁሩብ ቁራቦ ጥይት ኣንጻር ጸላኢ ጥራሕ ክጥቀመለን ካብ ምድላይ ነዛ ደርበን’ናር ባህ ከይበሎ እዩ ኣፍቂዱዋ። “ወዲእኩም’ዶ?” ሓተቶም። “እወ።” “እሞ ጽባሕ ማዕራካ (ውግእ) ምስ ኢትዮጵያ ኣሎ።” “ዋእ! ከመይ’ሉ?” “ከላስ ጽባሕ ምስ ኢትዮጵያ ውግእ ኣለና ተዳለዉ. . . .

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ