October 30, 2021

ቀዳሞት ግጥማት ሓርነታዊ ቃልሲ
(8)

መምህር ነጸረኣብ ኣዛዚ

ኣኼባ በርገሽሽ – መስከረም 1962

ድሕሪ መስዋእቲ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ተጋደልቲ ንፍሉይ ስርሒት እንተዘይኮይኑ፡ ብጥርኑፍ እዮም ዝጓዓዙ ዝነበሩ። ኣብ መስከረም 1962፡ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ሱዳን ኣተወ። ምስ ዑመር እዛዝ፡ መሓመድ እድሪስ ሓጅን ጣህር ሳልምን ድማ፡ ካብ ከሰላ ተበጊሱ ጋሽ ብምብጻሕ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ በርገሽሽ (ካብ ሃይኮታ ንወገን ደቡብ) ምስ ተጋደልቲ ተራኸበ። ነቶም ተጋደልቲ ብምትብባዕን ርእይቶኦም ብምስማዕን ከኣ፡ ዝርዝር ኣስማቶም ሰኒዱ ንጎስጓስ ዝጠቕሞ ስእልታት ወሰደ። ኣብዚ ፈላሚ ወግዓዊ ርክብ ላዕለዋይ ባይቶን ተጋደልቲን፡ ነቶም ዕጡቓት እትመርሕ ሓሙሽተ ዝኣባላታ መሪሕነት ክትቀውም እንከላ፡ ኣቦ-መንበርነት ንመሓመድ ዑመር ዓብደላ ተዋህበ። ኣብቲ ኣኼባ 44 ተጋደልቲ 18 ብረት ዝዓጠቑ፡ ዝተረፉ ከኣ ሴፍ ዝዓጠቑ ተሳቲፎም። ድሕሪ ኣኼባ በርገሽሽ፡ ተጋደልቲ ናብ ክልተ ጋንታ ተኸፍሉ። ቀዳመይቲ ጋንታ መሓመድ እድሪስ ሓጅን ዑመር እዛዝን ዝመርሕዋ፡ ካልኣይቲ ጋንታ ድማ ኣቡ ጥያራን ዑስማን ኣቡ-ሸነበን ዝመርሕዋ። ሳበ ካብ ሜዳ ምስ ተመልሰ፡ ምስ ሰበስልጣን ሱዳን እውን ተራኸበ። ቅሩብ ጸኒሑ ነቶም ተጋደልቲ፡ ሓደ ሽሕ ጠያይትን ክዳውንትን ለኣኸሎም። ክሳብ’ቲ ግዜ’ቲ ዝጠቅም ሓገዝ ይረኽቡ

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ