November 6, 2021

ቀዳሞት ግጥማት ሓርነታዊ ቃልሲ

መምህር ነጸረኣብ ኣዛዚ

ምትሓዝ ፈዳይን ኣብ ኣስ መራ ሰነ 1963
መራሒ ተመሃሮ ካይሮ ዝነበረ፡ ስዒድ ሑሴን ካብ ግብጺ እቲ ቀዳማይ ንሜዳ ዝተሰለፈ እዩ። ሓደ ካብቶም ስርሒት ፈዳይን ኣቑርደት ዝፈጸሙ እውን እዩ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ መስራቲ ኣኼባ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ ሰነ 1963፡ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ንምስሓብ፡ ምስ ማሕሙድ ሃሩን ዝተባህለ ተጋዳላይ፡ ኣብ ኣስመራ ስርሒት ንምፍጻም ተበገሰ። ዒላማኦም መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራን መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ሴዳውን ነበረ። ግን ኣይተዓወቱን። ዝደርበዩወን ቦምባታት ርሒቐን ስለዝተፈንጀራ፡ ኣብ ልዕሊ’ተን ለም ኢለን ዝነበራ ነፈርቲ ክሳራ ኣየውረዳን። ኣብ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ስንባደ ግን ቀሊል ኣይነበረን። እዞም ክልተ ፈዳይን፡ ድሕሪ’ቲ ስርሒት፡ ብሰንኪ ሓደ ክተሓባበሮም ኢሎም ምስጢሮም ዘካፈልዎ ሰብ ተታሒዞም እዮም። ስዒድ ሑሴን ድማ ብወተሃደራት ተዓጂቡ፡ ናብ ቦታ ፍጻመ ተወስደ። እቲ ውጥን ምስ ገለጸሎም፡ ብትብዓቶም ተደነቑ። ሓደ መዓልቲ ቅድሚ ስርሒት ናብ መኪና ኣዛዚ ካልኣይ ክፍለ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝደርበይዎ ቦምባ እውን ዒላማኡ ከምዘይወቕዐ ይንገር። እቲ ነዞም ክልተ ፈዳይን ኣብ ገዝኡ ዘዕቈበ ዜጋ፡ ተኣሲሩ ብዙሕ ስቅያት እኳ

download

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...