January 29, 2021

ቅልውላው ሶማልያ ታሪኻዊ ዕምቈቱ፡
ፖለቲካዊ ምዕባለኡን መጻኢ ኣንፈቱን

ምዕራፍ ሰለስተ
ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ሶማልያ

ድሕሪ ውድቀት ሕብረት ሶቬት ነበር ብ1990፡ ምብትታን ኪዳን ዋርሶን ምብቃዕ ዝሑል ኲናትን፡ ኣህጉራዊ ሜዳ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ’ዩ ተባሒቱ። እነሆ ድማ ኣመሪካ ፕራግማትነት ዘይብሉ፡ ካብ ስነ መጐትን ሓላፍነታዊ መንፈስን ዝረሓቐ፡ ሓደ ዓለማዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምርግጋጽ ክትጽዕር ጸኒሓን ኣላን። ናቱ ሓደገኛነት ድማ ኣብ ሶማልያ፡ ዒራቕ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ’ተን “ብሃገራት ዓረባዊ ኣየት” ዚፍለጣ ቱኒዝያ፡ ሊብያ፡ ምስሪ፡ የመንን ሶርያን ተጋሂዱ’ሎ። ብሰንካ ድማ ንሰላምን ጸጥታን ዓለም ኣስጋእቲ ኮይነን ኣለዋ። መሪሕነት ኣመሪካ፡ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ጆርጅ ቡሽ ስነ ሓሳብ ረጽሚ ስልጣነታት (Clash of Civilizations) ብምኽታል፡ ኣብ ምልእቲ ዓለም ዕብለላ ከስገድድ ድሌት ከም ዘሎዎ ኣረጋጊጹ። ፕረዚደነት ኣመሪካ ነበር ጆርጅ ቡሽ፡ “ምሳና ደው ዘይበለ ናይ ግድን ምስ ኣንጻርና’ዩ፣(45) ኣመሪካውያን ዘይኮኑ ካልኦት ኪፈልጥዎ ዚግባእ ድማ ወይ ምሳና ወይ ምስ ግብረ ሽበራውያን ምዃን፡” ብምባል፡ ብመሰረት’ዚ ጸቢብን ድኹምን ኣረኣእያኡ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሎም ደቅ ኣዳም ካልእ ምርጫ ከም ዘየልቦ ኣነጺሩ። ግሁድን ስዉርን ጽልኢ ዘስዓበሉ ኣተሓሳስባ ምምሕዳር ኣመሪካ እዚ’ዩ። እዚ ዋሺንተን ንዓለም ክትመርሓሉ እትፍትኖ ዘላ ኣገባብ ብዘይካ ሽግርን ሓደጋን ካልእ ከምጽእ

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን