July 17, 2023

ቅያ ስጡም መስርዕ!
ናቕፋ፡ ማእከል ስሕበት ሓርነታዊ ቃልሲ
(4ይ ክፋል)

ሰሎሙን በርሀ
ስርዓት ደርግ ኣብ ናቕፋ ተኸቢቡ ዝነበረ ሰራዊቱ ንምድሓን ኣብ ናቕፋ ኣየር ወለድ ሰራዊት ብጃንጥላታት ከምዘውረደ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍ ተገሊጹ ነይሩ። ጎኒ ጎኒ’ዚ ስርሒት’ዚ እውን ንካልእ ዓቢ ወፍሪ የዳሎ ነይሩ እዩ። ብ4 ታሕሳስ 1976 ድማ፡ ኣንጊሁ ካብ ከረን ገዚፍ ሓይሊ ኣበገሰ። እቲ ዝወፈረ ሓይሊ ኣብ ቀዳማይ መዓልቱ መከላሲ ሓዲሩ፡ ጉዕዞኡ ቀጸለ። ብ5 ታሕሳስ ረፋድ ከኣ፡ ኣብ ከባቢ መስሓሊት ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ዘዳለውኦ ድብያ ኣተወ። ኣብቲ ብጽዑቕ ደገፍ ነፈርቲ ተሰንዩ ዝተኻየደ ብርቱዕ ውግእ፡ ሰራዊት ደርግ ነቲ ድብያ ጥሒሱ ንምሕላፍ ስልቲታት እናቐያየረ ተደጋጋሚ ፈተነታት ኣካየደ። ብ15 ታሕሳስ ቀዳማይ ፈተነኡ ምስ ፈሸለ፡ እንደገና ብ17 ታሕሳስ፡ ካልኣይ ፈተነ መዲቡ ብየማነ-ጸጋም ጽርግያ ግንባራዊ መጥቃዕቲ ከፈተ።

download

Latest Articles

Keynote Address of Minister Fawzia Hashim at the...

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...