August 28, 2021

ታሪኻዊ መድረኻት ዕጥቃዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ

ሬዲዮ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ

ካብ ሰነዳት ቁጽሪ 1(19/5/2016)

ኣብ 1961 ዝጀመረ ዕጥቃዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዙሕ ታሪኻዊ መድረኻት፡ ንሓድሕዶም ዝጸላለው ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ምዕባለታት ሰጊሩ’ዩ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ነዊሕን መሪርን ቃልሲ፡ ኣብ ግንቦት 1991፡ ብኣንጸባራቒ ወተሃደራዊ ዓወት፡ ብናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ተደምዲሙ። እቲ ኣብ ዓመተ 1990-1991፡ ኣብ ግንባራት ጊንዳዕን ደቀምሓረን ዝተኻየደ ጽዑቕ ናይ ምርብራብ ውግኣት፡ መጥቃዕቲታት ደንከልን ውሽጢ ኢትዮጵያን፡ ናይ መወዳእታ ግጥም ግንባር ደቀምሓረን ምትሓዝ ኣስመራን እምበኣር፡ ድምር ውጽኢት ናይቶም ዝቐደሙ ኣገደስቲ ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን ምዕባለታት እዩ።

ካብ መጥቃዕቲ ናብ ምክልኻል

ኣብ ባሕቲ መስከረም ናይ 1961 ብውሑዳት ተጋደልቲ ዝተወልዐ ሰውራ ኤርትራ፡ ዝተሓላለኸ ጽንኩር እዋናት ሰጊሩ፡ በብቕሩብ ሰብኣዊን ንዋታዊን ዓቕሚን ናይ ኲናት ተሞኩሮን እናደለበ ብምኻድ፡ ኣብ መድረኽ 1977-1978 ንዝሰፍሐ መሬት ኤርትራ ሓራ ከውጽእ ክኢሉ ነበረ። እንተዀነ ብሰንኪ ገዚፍ ምትእትታው ሕብረት ሶቭየት ወተሃደራዊ ሚዛን ሓይሊ ስለዝተቐያየረ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ነቲ ብደገፍን ምኽሪን ናይ ደገ ሓይልታት፡ ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ፡ ብዕብየቱን

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ