September 15, 2018

ታሪኻዊ ተጻብኦ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ እንታይ’ዩ ዕላማኡ?

ዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ27 ሰነ 2014 ዘቆሞ ኮምሽን መርማሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንዓመት ምሉእ ዘካየዶ 484 ገጻት ዝሓዘ ውጹእ ሓሶትን ኣጸላምን ጸብጻቡ ብ8 ሰነ 2015 ኣቕሪቡ። እዚ ጸብጻብ’ዚ ድማ ብ23 ሰነ 2015 ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጄነቫ ቀሪቡ። እቲ ጸብጻብ ኣብ መእተዊኡ ጥንታዊ ታሪኽ ኤርትራ ብምጥቃስ፡ 5000 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዕድመ ዘለዎ ናይ ሕርሻ ቅርሲታት ከም ዘሎ ብምምልካት፡ ኤርትራ 25 ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ብፎርዖናውያን ምስሪ መሬት ቡንት ተባሂላ ትግለጽ ምንባራ የረድእ። ኣብዚ ንዓና ዘገድሰና ግን እቲ ኮምሽን ናብ’ቲ ኣቀዲሙ ዝወጠኖ ዕላማ ንምብጻሕ ኣብ ጸብጻቡ ብመደብ ኮነ ኢሉ ነቲ ኣብ ዓለም ዝተሰነደ ታሪኻዊ ሓቂታት ንምጥምዛዝ ዝተጠቅመሉ ኣነዋሪ ኣገባባት ምብራህ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ኣርካይቭ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንባዕሉ ተዓቂቡ ዘሎ እዩ። ኣብ ኤርትራ ንህዝቢ ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕብራዊ፡ ቊጠባውን ባህላውን ሽግራት ዝፈጠረ ዓበይቲ ታሪኻውን ፖለቲካውን ፍጻመታት ኣጋጢሞም እዮም። ብሰንኩ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ…

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን