June 10, 2017

ትንተናዊ ንባብ ንመልእኽቲ ፕረዚደንት ኤርትራ
ናብ ባይቶ ጸጥታን መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እቲ ኣብ ልዕሊ መሬትን ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝተፈጸመ ዓመጽን ተጻብኦን ብዛዕባ ዝእለየሉ መገዲ ኣመልኪቱ ብ31 ግንቦት 2017 ናብ ባይቶ ጸጥታን ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን መልእኽቲ ሰዲዱ። መልእኽቲ ፕረዚደንት፡ ነቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ባይቶ ጸጥታ ብመሰረት ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመስረተሉ ዕላማታትን ሓላፍነታትን ብብሩህ ዘነጸረ ቀንዲ ጉዳያት ዘስፈረ ነይሩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መልእኽቱ ነቲ ኣብ 1998 ዝተወልዐ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንምልዑ ምኽንያት ዝኾኑ ጠንቂታት፡ ብ12 ታሕሳስ 2000 ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ፡ ብ13 ሚያዝያ 2002 ዝሓለፈ ውሳነ ኮምሽን ዶብ፡ ብ2009 ብባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ ውሳነ እገዳ፡ ክሲታት ብዛዕባ ዘይምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን መርበባት ንግዲ ደቂ ሰብን ተኸታታሊ ተጻብኦ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ድሕሪ ምዝርዛር ኣብ መጨረስታ ባይቶ ጸጥታ ንግህሰት ኣህጉራዊ ሕጊታትን ጐበጣ መሬት ኤርትራ ብስርዓት ኢትዮጵያን ደው ከብሎ ኣዘኻኺሩ።

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ