December 25, 2018

ትንተናዊ ንባብ ንመደረ ኣባል ሃገራት
ባይቶ ጸጥታ፡ እገዳ ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምልዓሉ

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
ብ14 ሕዳር 2018 ኣምባሳደራት 15 ሃገራት ኣባላት ባይቶ ጸጥታ [ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሩስያ፡ ቻይና፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ኢትዮጵያ፡ ፖላንድ፡ ቦሊቭያ፡ ፔሩ፡ ሽወደን፡ ኢኳቶርያል ጊኒ፡ ካዛክሳታን፡ ኣይቮሪኮስት፡ ኩዌትን ሆላንድን] ነቲ ብብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን እገዳ ካብ ኤርትራ ንምልዓል ዝቀረበ እማመ ውሳነ ቁጽሪ 2044 ኣብ መጋባእያ ቁጽሪ 8398 ተመያዪጠን። ነቲ መጋባእያ ዝመርሐ ቻይናዊ ኣምባሳደር ማጃውሹ “ ብመሰረት ውሽጣዊ ሕጊ ባይቶ ጸጥታ ዓንቀጽ 37 ወከልቲ ጂቡቲ፡ ኤርትራን ሶማልን ኣብዚ መጋባእያ ክሳተፉ እጽውዕ” ኢሉ። [1] እቲ እማመ ድማ ኢድ ብምልዓል ንድምጺ ቀሪቡ። ብኩለን ኣባል ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ስለዝተደገፈ ኸኣ ከም ውሳነ ኣህጉራዊ ባይቶ ጸጥታ ቁጽሪ 2444 ኮይኑ ብወግዒ ሓሊፉ።

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ