March 26, 2022

ውግእ ኣዳል – 26 መስከረም 1961

4ይ ክፋል

መምህር ነጸረኣብ ኣዛዚ

ንሓምድ እድሪስ ዓዋተ ሰውራ ክጅምር ኣብ ምድራኽ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ፡ ሰይድና መሓመድ ሸኽ ዳውድ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ንናጽነት ኣብ ምዕራባዊ መታሕት ጎስጓስ ከካይድ ዝጀመረ፡ ካብ ድሮ ምጅማር ሰውራ እዩ። ሓምድ ንሰውራ ምስ ወጸ ድማ፡ ዓዲ-ዓዲ እናዞረ፡-“ምስጢር ዓቅቡ፡ ነዞም በረኻ ወጺኦም ዝቃለሱ ዘለዉ ናብይዎም፡ ካብ ጸላኢ ስተርዎም፡ ነፍሲ-ወከፍ ስድራ ሓንቲ ቕርሺ ንወርሒ ተዋጽእ፡ ዘለዋ’ውን ዓቕማ ትሓግዝ፡ ኣጆኹም ብረት ክመጸና’ዩ….ሎሚ 999 ካብ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ቃልሲ ወጺኦም ኣለዉ። 1000 ክመልኡ ሓደ ጥራሕ ተሪፉ ኣሎ። ንሱኸ መን ኮን ይኸውን፧” እናበለ ብሓይሊ ይጉስጉስ ነበረ። ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ተዘንትዩ ከም ንረኽቦ፡ ሰይድና መሓመድ ሽኽ ዳውድ ‘ንምንታይ ናብ ጎልጅን ገርሰትን ትኸይድ ኔርካ፧ ሽፍታ ዘበገስካ ንስኻ ኢኻ። ንስኻ ኢኻ ቅተሉ፡ ሕረዱ ትብል ዘለኻ’ ተባሂሉ ብመንግስቲ ተመርሚሩ ኣብ መጨረሽታ ካብ ኣቑርደት ሃዲሙ ሱዳን ክሳብ ዝኣቱ ኣብ ማሕዩር ናይ ገዛ ነበረ። ሰይድና ብዝነበሮ ተሰማዕነት ሰውራ ህዝቢ ሰውራኡ ንኽድግፍ ጎስጓስ እናገበረ፡ ካብ ደገ ዝመጽእ ሓገዝ ኣብ ዘይነበረሉ፡ ጥሪቱ ብምውፋይ ንሱ ናብ ድኽነት ወሪዱ ንሰውራ

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ