December 23, 2017

ዓቢ ፖለቲካዊ ጸወታን ሻውዓይ ምዕራፍ ባይቶ ጸጥታን
6ይ ክፍል
ጉጉይ ውጽኢት ካብ ጉጉይ ሕሳብ

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
ባይቶ ጸጥታ ብመሰረት ጉጉይ ሕሳባቱ በቲ ዓማጽን ዘይፍትሓውን ውሳነ ቁጽሪ 1907፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ነዚ ዝስዕብ እገዳ ኣሕሊፋ፦
1. “ኩለን ኣባል ሃገራት፡ ኤርትራ ኩሉ ዓይነት ኣጽዋርን መሰልቱን፡ ጠያይቲ፡ ወተሃደራዊ ንዋትን ናቱ መቀያየሪ ኣቑሑትን ብመገዲ ዜጋታታ ወይ ባንዴራኣ ብዘንበልብላ መራኽብን ነፈርትን ገይራ ንኸይተእቱን ከይትሰድድን ንምኽልካላ ኣድላዪ ስጉምቲ ይወስዳ። ከምኡ’ውን ዝኾነት ሃገር ተክኖሎጂያዊ ሓገዝን ስልጠናታትን ፋይናንሳዊ ሓገዝን ክትህብ የብላን።”[65]
ቀዳማይ፦ ሃገረ ኤርትራ ከም ኩለን ካልኦት ሃገራት ዓለም ኣጽዋር ክትገዝእ ብመትከል መሰላ እዩ። ይኹን’ምበር ኤርትራ ከምተን ኣጽዋር ንምግዛእን ንምኽዛንን ዝጓየያ ሃገራት ከምዘይኮነት ባይቶ ጸጥታ ንባዕሉ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ እዩ።

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን