February 12, 2021

ፖሊሲ ኤርትራ ኣብ ሶማልያ

ቅልውላው ሶማልያ ታሪኻዊ ዕምቈቱ፡
ፖለቲካዊ ምዕባለኡን መጻኢ ኣንፈቱን
ሓሙሻይ ክፋል
ምዕራፍ ኣርባዕተ

ፖሊሲ ኤርትራ ኣብ ሶማልያ፡ ካብ’ቲ ኣብ ዞባናን ዓለምን ሰላም፡ ርግኣትን ብልጽግናን ንምስፋን፡ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ኣብ ውሽጣዊ ጒዳያት ካልኦት ኢድካ ዘይምእታውን ዚብል ሓፈሻዊ መትከላት ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ተፈልዩ ዚረአ ኣይኮነን። በቲ ኻልእ መዳይ ድማ ኤርትራ፡ በዚ ፖሊሲ’ዚ ሃገራዊ ረብሓታታ ማለት ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ጸጥታዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ጥቕምታታ ንምዕዋት ትሰርሕ። ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ረብሓታት ህዝብታት ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃን ዓለምን ይመላላእ እምበር ስለ ዘይገራጮ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ጽባሕ ሓርነት 24 ግንቦት 1991 ጀሚሩ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝተወልዐ ውሽጣዊ ግርጭታትን ጸገማትን ንምፍታሕ ዘይተቘጠበ ጻዕሪ ምክያዱ’ምበኣር ዘገርም ኣይነበረን።

ዞባዊ ተበግሶታት ኤርትራ
ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃን ደቡባዊ ቐይሕ ባሕርን ሰላምን ርግኣትን ንምስፋን፦
1-ኤርትራ ነቲ ኣብ ሶማልያ ዝተኸስተ ውግእ ሓድሕድ ቅድሚ ምስፍሕፋሑ ንምግታኡ ብ1991 ዝለዓለ ልኡኽ ናብ ሶማልያ ሰደደት።
2-ብ1992 እውን ኢትዮጵያ ኣብ ታኼላ ኲናት ሓድሕድ ምእንቲ ከይትሽመም፡ ኤርትራ ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምትን ኣኼባታት ኣአንገደት።

download

Latest Articles

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ንልክዕ መረዳእታ