March 4, 2022

ኣልማዛዊ እዮቤልዩ
ዝኽሪ ቀዳሞት ዓመታት ሓርነታዊ ቃልሲ

መምህር ነጸረኣብ ኣዛዚ

1ይ ክፋል
ኤርትራ ካብ ፖለቲካዊ ናብ ብረታዊ ቃልሲ

ኤርትራ ካብ ግንቦት 1941 ክሳብ ታሕሳስ 1950 ብሕልኽላኽ ዝመልኦ ፖለቲካዊ ቃልሲ ድሕሪ ምሕላፋ ኣብ መጨረሽታ ኣንጻር ናይ’ቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ሓቂ ብጽልዋን ተጽዕኖን ሓያላን ሃገራት ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ከም ትቑረን ተገብረ። ብ2 ታሕሳስ 1950 ዝተኣከበ መጋባእያ ሕቡራት ሃገራት፡ ብውሳነ 390 A/5 ናጽነት ይኹን ሕብረት ዝተመነዩ ኤርትራውያን ዘይተጸበዩዎ ንረብሓ ሓያላን ሃገራትን ኢትዮጵያን ዘገልግል ፈደረሽን ወሲኑ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ወኪል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝነበረ ጆን ፎስተር ዳላስ፡ ከምዚ ክብል ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ዓመጽ ተኣሚኑ፦
“ብዓይኒ ፍትሒ ርእይቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ ነይሩ። እንተኾነ ግን፤ ስትራተጂያዊ ረብሓና ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ማእከላይ ምብራቕን ዓለማዊ ሰላምን ጸጥታን፣ እታ ሃገር ምስታ መሓዛና ኢትዮጵያ ክትቊረን ግድን ገይሩዎ ኣሎ።”
ፈደረሽን ከም ኣምር ኣብ መንጎ ክልተ ወይ’ውን ካብ ክልተ ንላዕሊ ሃገራት ብድሌት ዝፍጠር ሕብረት ኮይኑ፡ ተጻመድቲ ኣብ ዘቑምኦ ላዕለዋይ ኣካል፡

download

Latest Articles

ንልክዕ መረዳእታ

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

ሓጺር መብርሂ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን