July 21, 2012

ኤርትራ ….ጉዕዞ ኣብ ተዘኩሮታተይ

ኤርትራ ….ጉዕዞ ኣብ ተዘኩሮታተይ
ብዕልት 6/7/2012 ኣብ ሆቴል እምባስይራ ፣ ብኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ዝተደርሰት ሓዳሽ መጽሓፍ “ኤርትራ …. ጉዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ” ተመሪቓ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ኣስታት 500 ዝግመት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲን ግንባርን ፣ ካድረታት መንግስቲን ግንባርን ፣ ሰብ-ሞያን ምሁራትን ፣ ድቂኣንስቲዩን መንእስያትን ተሳቲፎም ። ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣጋጣሚ ፣ ኣምባ/ባዱሪ ነዛ መጽሓፍ ንምጽሓፍ ዘደረኾ ምኽንያታት ድሕሪ ምዝርዛር ፣ ዝወሰዶ ጊዜን ጻዕሪን ጠቒሱ ፣ እታ መጽሓፍ ኣብ ተዘኮሮታቱን ኣብቲ ንሱ ዝዋዓሎን ዝተሳተፎን ዘተኮረት ምዃና ሓቢሩ ። ተመሳስሊ መጻሕፍቲ ብሕጂ’ውን ከዳሉ ሙኻኑ ድማ ጠቒሱ ። ትርጎም ናይዛ ምጽሓፍ ብትግርኛ ኣብ ዝመጻእ ቀረባ እዋን ክትዝርጋሕ ሙዃና ፣ ብቋንቋ እንግሊዝ’ውም ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ክትሕተም ከምዝኾነት ሓቢሩ ። ንኹሉም ነዚ ስራሕ’ዚ ንምስላጥ ዝሓገዝዎን ፣ ኣብዚ ናይ ምምራቕ ስነሰርዓት ዝተሳተፉ ኣመስጊኑ ።
ስዒቡ ኣምባሳደር ዓብዱ ሄጂን ፕሮፈሰር ተይሲር ሙሓመድ ዓሊ ብዛዕባ ትሕዝቶ መጽሕፍን ፣ ርእይቶኦምን ሓሳባቶምን ገሊጾም ። ጓል ደራሲ ወ/ሪት ዛህራ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ፣ በዚ ኣጋጣሚ ንወላዲኣ ብቛንቋ ኢንግሊዝ ዝገጠመታ ግጥሚ ኣስሚዓ ። ከብዚ ቀጺልና ነቲ ዝነበረ ህየሳን ግጥሚን ነቕርብ።

ኤርትራ ….ጉዕዞ ኣብ ተዘኩሮታተይብኣም/ዓብዱ ሄጂ ዝቐረበ ርእይቶ ።

ፈለማ ንብጻየን መምህረይን ኣም/ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ዩሃና እብል ። ንነዊሕ እዋን ብሃንቀውታ ክንጽበያ ዝጸናሕና መጽሓፍ እንሆ ሎሚ ተወዲኣ ኣብ መመረቅታ ብምብጻሓ ንኣቡ ጣህር እንቋዕ ሓጎሰካ እብል ። ነቶም ነዚ ስራሕ `ዚ ኣብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ ኩሉ ዘድሊ ዘበለ ሓገዝን ምትብባዕን ዝገበሩ ፣ ብፍላይ ባዓልቲ ቤቱ ብጸይቲ ኣምና ሓሰን ናይብ፣ ደቁ ሶይራን ዛህራን ድማ እንቋዕ ሓጎሰኩም ፣ እንቛዕ ሓጎሰና እብሎም።

ኣብ 1980 ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ኣብ ዓንበርበብ ኣብ ዝነበረቱሉ እዋን ፣ ኣብ ፕሮግራም ዓረብ ምስ ተመደብኩ እየ ንኣቡ ጣህር ንመጀመርያ ግዜ ዝተላለኽዎ ። ኣብቲ ጊዜ’ቲ ፣ ምስ ክቡር ሚኒስተር ብጻይ ተስፋይ ገብረስላሴ ብሓባር ሓለፍቲ ዜና እዮም ኔሮም ። ካብ ሽዑ ጀሚረ ፣ ብጻይ ባዱሪ ፣ ንቑሕ ፣ ብሱል ፣ ሓያል ጻሓፋይ ፣ ንህልው ኩነታት ብዉድዓዊ ኣገባብ ዝትንትን ኪኢላ ፣ ከም ስብ ከኣ ኣዚዩ ሕዉስም ሙቕሉልን ኮይኑ ረኺበዮ ። ካብኡ ድማ ቡዙሕ’የ ተማሂረ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፣ ኣብ ስነስርዓት ምምራቕ ናዛ መጽሓፉ ቃለይ ክህብ ሓቲቱኒ ። ብግልጺ ንምዝራብ ፣ ንዘቕረበለይ ሕቶ ንምቕባል ኣመና ጸጊሙኒ። ተማሃራይ መምህሩ ንዝጽሕፎ መጽሓፍ ክህይስ ከቢድ’ዩ ኢለ ድማ መሊሰሎ ። ናይ ግድን ክትገብሮ ኣለካ ስለዝበለኒ ግን ፣ እነሆ እናተሰከፍኩ ዓቕመይ ዘፈቕዶ ሓናጢጠ ቀሪበ’ለኹ። ከምቲ ንሱ ዝተጸበዮን ዘሓሰቦን ክኸውን ድማ ክኽወን እትስፎ ።

“ኤርትራ.. ጎዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ” 12 ምዕራፋት ዘሓዘለት ፣ 474 ገጽ ዘለዋ፣ International Printing House ኣብ ዝብሃል ትካል ኣብ ካይሮ ግብጺ ዝተሓትመት መጽሓፍ’ያ ። ኣብ ገበራ፣ ሓደ ናብ ርሑቕ ዘማዕዱ ብዕድመ ዝደፍአ ፣ በታ ጸጋመይቲ ኢዱ ድማ ሓውሲ መላጥ ዝኾነ ርእሱ ዝሓክኽ ስብኣይ ኣሎ ። እዚ ሰባኣይ’ዚ ፣ ንርሑቕ እናኣማዕደወ ፣ መጻኢና ፣ መቐጸልታ ሕሉፍን ህልዊን ታሪኽና ከምዝኾነ ይእምተልና ። ኣብ ደሕረዋይ ገበር ናይዛ መጽሓፍ ሓጺር ሌላ ምስ ደራሲ’ሎ። ኣቡ ጣህር ብ1947 ኣብ ሕርጊጎ ከም ዝተወልደ ፣ ኣብ 1968 ኣብ ሲሪያ ሓለብ ዩኒቬርሲቲ ሕክምና ይመሃር ከምዝነበረ ፣ ኣብ 1970 ትምህርቱ ኣቋሪጹ ናብ ሜዳ ከምዝተሰለፈ ትገልጽ ። ኣብ መስርሕ ቃልሲ ካኣ ብዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ፣ ኣብ ፖሊቲካዊ ፣ ዜናዊን ዲፕሉማስያዊን ዓውድታት ይነጥፍ ከምዝነበረ ፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ከም ቀዋሚ ወኪል ሃገረ ኤርትራ ኮይኑ ከምዘገልገለ ትገልጽ።

”ኤርትራ …. ጉዕዞ ኣብ ተዘኩሮታተይ” እምባኣር ፣ ደራሲ ባዕሉ ብኸምዚ ይገልጻ ”ነዛ መጽሓፍ ክደርስ ከለኹ ከምቶም ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ዝገብሩዎ ኣካዳሚያዊ መጸናዕቲ ወይ ድማ ሓቂታት ታሪኽ ንምስፋር ኣይተበገስኩን ። ተዘክሮታተይን ኣብ መድረኽ ቃልሲ ዝተሳተፍኩዎን ዝተሓወስክዎን ፍጻሜታትን ኩነታትን ኢየ ኣስፊረ ዘለኹ ። ካብቲ ሰፈሕ ባሕሪ ፍጻሜታት ሰውራ ኤርትራ በቲ ዝመረጽኩዎ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ፣ ውልቃዊ ተመክሮ ምስቲ ሓባራዊ ተመክሮ እና ሓዋወስኩ ክቕርብ ፈቲነ ኣለኹ” ይብል።

ኤርትራ ….ጉዕዞ ኣብ ተዘኩሮታተይሚኒስተር ጸዓትን መዓድንን ኣቶ/ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ብወገኑ ነታ መጸሓፍ ምስ ኣንበባ ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጽዋ “እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ናይ ኡስታዝ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ዛንታ ሂወት ዲያ ወይስ ዛንታ ብዙሓት ወለዶታት? ወይ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ? … ጉዕዞ ኣብ ተዘኩሮታተይ ንኹሉ’ዚ ዘጠቓለለት እያ። ኡስታዝ ኣቡ ጣህር ካብ መዋኢል ህጻናት ጀሚሩ ናብ ትምህርቲ ዓለም ናብ ሜዳ ውግእን ብርዕን ፣ ቀጺሉ ድማ ናብ ዲፕሉማሲን ጋዜጠኝነትን ዑደት ከንካይድ ይወስደና። ኣብዚ ነዊሕ ጉዕዞ’ዚ መንነትን ሃገርን የናዲ’ዩ ኔይሩ ። ኣብ መወዳኣታ ድማ ረኺቡዋ ። ክረኽባ እንከሎ ግን ከምቲ ግሪኻዊ ፍላስፋ ኣርኪሚደስ ዝገበሮ .. ረኺበያ .. ረኺበያ .. ብምባል ዓው ኢሉ ጥራሕነብሱ ጎዩ ኣይጨደረን ። እንታይ ዳኣ ፣ ነቲ ዛንታ በቲ ልዑልን ወናምን ፣ ማሃዚን መሳጢን ብርዑን ልስሉስ ቃላቱን ገይሩ ብስነጥበባዊ መልከዕ ገሊጹ ኣቅሪቡልና” ይብል ሚንስተር ጻዓትን መዓድንን ። ናይ ብሓቒ ሓይል ትዕዝብቲ እዩ ።

ብወገነይ “ጉዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ” ብሓደ ወገን ዉልቃዊ ታሪኽ ህይወት ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ኣገደስቲ ምዕራፋት ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እትገልጽ መጽሓፍ ኮይና ረኺበያ። ኣብ ነፍስወከፍ ምዕራፍ ናይዛ መጽሓፍ ፣ ርእሱ ዝኻኣለ ሓተታን ትዕዝብትን ክጻሓፍ ምተኻኣለ። ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ ዝተዋሃበኒ ጊዜ ዉሱን ስለዝኾነ ፣ ርእይቶይን ትዕዝብተይን ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብትታ ከጠቓልለን መሪጸ ኣለኹ ።
ሓያል ጎኒ ናይዛ መጽሓፍ

ጽንኩርን መሪርን ኣጀማምራ ሰውራ ኤርትራ ድሕሪ ምግላጽ ፣ ንኩነታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ኣካይዳኣን ጠቒሱ ፣ ነቲ ኣብ ዓዘቕቲ ፍሽለት ዝሸመማ ኩነታት ብኸምዚ ይገጾ ”ካብ መፈለምትኡ ተ.ሓ.ኤ ኣብ ጸቢብ ፍልልያትን ዱሑር ኣራኣኢያን ተጸሚዳ ኢያ ትጓዓዝ ዝነበረት ። ኑጹር ራኢን ፣ ሱጡም ውህደትን ፣ ሰውራዊን ቡሱልን ስነሓሳብ ዝተነፍጎ ወድብ ትምራሕ ስለዝነበረት ንቕድሚት ክትሱጎም ከቶ ዘይካኣል እዩ ኔሩ” ይብል ። ኣስዒቡ ንኩነታት ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታትን ህዝባዊ ግንባርን ብስፊሑ ይዝርዝር ። ከምኡ’ውን ኣብቲ ጊዜ’ቲ ኣብ ልዕሊ ሰውራ ኤርትራ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ዉሽጣዊን ግዳማዊን ሓደጋታት ብሰፊሑ ይገልጽ ። ተጋደላይ ዘሕለፎ ምረትን ስቅያትን ፣ ሰውራ ኤርትራ ዝገጠሞ ብደሆታት፣ ኩናት ሓድሕድ ዘስዓቦ ክሳራን ኣሉታዊ ስንብራትን ይትርኸልና ። 40 ዓመታት ዝሓለፎም ፍጻሜታት ዘኪሩ ድማ ፣ ሰባትን ቦታን ዕለትን እናጠቐሰ ብዝርዝር የዘንትወልና ። ኣእምሮ ደራሲ ዘይርስዕ …. ዘይዝንግዕ … ዘየሕልፍ ሙዃኑ ሓደ ካብቲ ሓያል ጎድኒ ናይዛ መጽሓፍ ኮይኑ ረኺበዮ ።

ዕላማኻ ንምውቃዕ ፣ ስነሓሳብ ፣ ራኢ ፣ ንቑሕን ኣብ ዕላማኡ ዝኣምንን ታባዕ መርሕነት ከምዘድሊ ፣ ደራሲ ኣብ ነፍስወከፍ ምዕራፍ ናይዛ መጽሓፍ ደጋጊሙ ብትሪ ዝጣበቐሉ ስነሞጎት እዩ ። እዚ ነጥቢ’ዚ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ኣዕኑድ ናይዛ መጽሕፍ`ዩ እብል ። ደራሲ ፣ ስነሓሳብ ፣ ራኢን ብቑዕ መርሕነትን እንተዘይህሉ ፣ ሰውራ ኤርትራ ነንሕድሕዱ ተበላሊዑ ፣ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ፣ ምስ ጊዜ ምቀሃመ ኔሩ ይብል ። ኣብዚ መዳይ`ዚ ፣ በዘዕባ`ቲ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ሓይልታት ፣ ቀጺሉ ድማ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ፣ ብሚስጢር ዝተመስረተን ብምስጢር ዝነጥፍ ዝነበረን ሰልፊ የዘንትወልና ። ኣብ ገጽ 126 ዘስፈሮ እጠቅስ “ዴሞክራስያዊ ሓይሊ ፣ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ስውራ ኤርትራ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ሓደጋ ንምንጋፍ ፣ ሚስጢራዊ ሰልፊ ክምስርት ግድን ኔሩ ። መትከላቱ ፣ ኣገባብ ኣሰራርሕኡ ፣ ዕላማታቱን ፣ ሰውራዊ ስነሓሳቡን ኣነጺሩ ነዲፉ” ድሕሪ ምባል “ እዚ ሰረት`ዚ፣ ’ሰውራዊ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ’ ዝተሰምየ ደሞክራሲያዊ ሰውራዊ ስልፊ ብዕለት 4/4/1971 ኣብ ጎቦታት ገደም (ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ) ከምዝቐዉም ጌሩ” ድማ ይብል። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ክቐርቡ ዝኽእሉ ሕቶታት ቡዙሓት እዮም ። እዚ ሰልፊ`ዚ ከመይ ጌይሩ’ዩ ንነዊሕ ዓመታት ሚስጢራዉነቱ ክዕቅብ ዝኻእለ? ከመይከ ይሰርሕ ኔሩ? ትካላዊ ቅርጹ እንታይ ይመስል ኔሩ? እንታይከ ኣፍርዩ? ኣብ መወዳእታኸ እንታይ ኮይኑ? ዝብሉ ሕቶታት ድራሲ ኣብ ቡዙሕ ዝርዝራት ከይኣተወ ብሕጽር ዝበለ ኣብዛ መጽሓፍ ኣስፊርዎ’ሎ።

ኣብዛ መጽሓፍ ፣ ደራሲ ፣ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት ፣ ዝምድና ቀዳማይን ካልኣይን ወገን ፣ ኣብ ዉሽጡ ዝተኸስቱ ምዕባሌታት ፍሉይ ኣተክሮ ሂቡ ተዛሪቡሉ ኣሎ ። ነቲ ዝነበረ ጽንኩርን ዝተሓላለኽን ሓደገኛ ዝኾነ ኩነታት ብሰፊሑ ድሕሪ ምግላጽ ፣ ንጹር ስነሓሳብን ራኢን ዝመሰረቱ ሓድነት ክልቲኡ ወገናት ህዝባዊ ሓይልታት ብዝርዝር ኣስፊርዎ ይርከብ ። ኣብዚ ጉዳይዚ’ውን ፣ ሓድነት ንምምጻእ ስነሓሳብን ረኢን ከምኡ’ውን ሓያልን ንቑሕን መሪሕነት ወሳኒ ረቋሒ ምዃኑ ደጋጊሙ የስምረሉ ። ንጹር ስነሓሳብን ንጹር ራኢን ተባዕ መሪሕነትን እንተዘይህሉ ፣ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ሕንፍሽፍሽን ሕድሕዳዊ ምብልላዕን ጥሒሉ ናብ ውድቅት መምረሐ ኔሩ ድማ ይብል ። ካብዚ ስነመጎት`ዚ ብምብጋስ’ዩ ድማ ፣ ህላዌ ሚስጢራዊ ሰልፊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝነበረ ኣትሪሩ ዝጣበቕ ። ሓፋሽ ይንቃሕ፣ ይወደብ፣ ይዕጠቅ ዝብል ጭርሖ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ፣ ርክብ መርሕነትን ተጋደልቲን ዘደልድል መካኒዝም ኣብ ምምሃዝ ፣ ንተጋደልቲ እዋናዊ ምዕባሌታት ዝከታተሉሉ ባይታ ኣብ ምጥጣሕ፣ ፖሊቲካዊ ንቅሓት ተጋደልቲን ሓፋሽን ክብ ዝብለሉ ኣገባባት ኣብ ምፍጣር፣ ነቐፌታን ርእስ ነቐፌታን ኣብ ኩለን ኣሃዱታት ከም ባህሊ ዝዝውተረሉ ኣገባባት ኣብ ምትእትትው ወሳኒ ተራ ከምዝተጻወተ ከኣ የብርህ ።

ካልእ ናይ`ዛ መጽሓፍ ሓያል ጎድኒ ዝብሎ ፣ ድራሲ ፣ ኣብ 1974 ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ሃይለስላሴ ዝተፈጥረ ናይ ኪዳን ለውጢታት ኣልዒሉ ፣ ነቲ ዝነበረ ሕልኽላኻት ብሰፊሑ ምግላጹ’ዩ ። ኣብ ስነዳት ዴሳውያን ስልፊታት ሕብረት ሶቭየትን ምብራቅ ጀርመንን ዝተረኽበ ሓበሬታ ሙርኩስ ብምግባር ፣ ክልቲኣቶም ሰልፊታት ንስርዓት ደርግ ዝገበርዎ ደገፍን ሓገዝን ይዝርዝር ። ኣብ መንጎ ላዓለዎት ሓለፍቲ ሕብረት ሶቨየትን ደርግን ፣ ምብራቅ ጀርመንን ደርግን ፣ ርክባት ክልቲኡ ሰልፍታት ምስ መሪሕነት ጀብሃ ፣ ቀጺሉ ድማ ምስ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ዘጠቃለለ ፣ ኣስታት 19 ሰነዳት ቶርጊሙ ኣቕሪቡልና ኣሎ ። እዞም ዝተፈላለዩ ሰነዳት’ዚኣቶም ፣ ኣብ ልዕሊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣልሙ ውዲታት ክሳብ ክንደይ ሓደገኛታት ከምዝነበሩ ፣ ኣብ ልዕሊ ሰውራ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ህዝባዊ ግንባር ዘውረድዎ ማህሰይቲ ዘቃልዑ ኣዚዮም ኣገደስቲ ሰነዳት እዮም ። ስለዝኾኑ ፣ ኣብቲ መወዳእታ ናይዛ መጽሓፍ ከም ጥብቆ ቀሪቦም እንተዝኾኑ ቡዙሕ ጹቡቕ ኔሩ እብል።

ብዘይካዚ ተመክሮ ህ.ግ. ካብ ቀዳማይ ጉባኤ ጀሚሩ ፣ ስትራትጂካዊ ምዝላቕ ፣ ምምስራት ድምጺ ሓፋሽ፣ ምእታው ተ.ሓ.ኤ ናብ ሱዳን፣ ፍሽለት ወተሃደራዊ ወራራት ደርግ ክሳብ ካልኣይ ዉድባዊን ሓደነታዊን ጉባኤ የዘንተወልና። ቀጺሉ ምፍራስ ግንባር ነቕፋን ምድምሳስ ናደው እዝ ዝኽሰቶ ሓዲሽ ወተሃደራዊን ፖሎቲካዊን ዲፕሎምሲያዊን ኩነታት ጠቒሱ ሰላማዊ ዘተ ህዝባዊ ግንባርን ደርግን ዘኪሩ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ባጽዕን ኣስመራን ዝፈጸሞ ቕያ ብምዝርዛር መጽሓፉ ይዛዝም። ኩሉ’ዚ ተደማሚሩ መርኣያ እምነትን ተወፍይነትን ጽንዓትን ኣብ ልዕሊ ሙዃኑ ነጸብራቕ ኑጹር ራኢን ሱጡም ወድብን ከምዝኾነ፣ እቲ ዝተፈጸመ ቅያን ዓወትን ድማ ክብሪን ሓበንን ንህዝቢ ኤርትራን ንዉድብ ህ.ግ. ሙዃኑ የስምረሉ ።

ዝዓበየ ክፋል ናይዛ መጽሓፍ ኣብቲ ፖሎቲካዊን ዉድባዊን ዲፕሎማሲያዊን ንጥፈታት ህዝባዊ ሓይልታትን ህዝባዊ ግንባርን ዘተኮረ እዩ ። ንወተሃደራዊ ንጥፍታት ብዝምልከት፣ ደራሲ ”ዝርዝራት ወተሃደራዊ ስርሒታትን ግጥማትን ነቶም ኣብ ዓውደ ኩናት ዝዋዓሉ ተባዓት ተጋደልቲን ፣ ነቲ ኲናት ዝመርሑን ዓውታት ዘጎናጸፉናን ሰውራ ኤርትራ ዝፈጠሮም ጀነራላት …. ባዕሎም ከዘንትዉዎ ዝሓሽን ዝበለጸን ስለ ዝኾነ ነዖኦም ገዲፈዮ ኣለኹ” ይብል።

ቀጺለ ኣብዛ መጽሓፍ’ዚ ዚያዳ ዝስሓበኒን ዝመሰጠኒን ክጠቕስ

ደራሲ ፣ ኣስማት ቡዙሓት ገዳይም ተጋደልቲን መራሕቲን ዘርዚሩ ፣ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ምረት ጹንኩር ኩነታትን ገሊጹ ፣ ንትብዓቶምን ኣድማዒ ተረኦምን ብምጉላሕ ፣ ክሳብ ክንደይ ምዕቡል ኣተሓሳስባን ብቕዓትን ከምዝነበሮም ብደቒቑ ምግላጹ መሲጡኒ ። ነዞም ዉፉያትን ቡቑዓትን ብጾቱ ብምዝካር ፣ ኣብዛ መጽሓፍ ዝግቦኦም ክብሪን ታሪኻዊ ቦታን ክህቦም ምኽኣሉ ኣድኒቐዮ። ካብኡ ናብኡ ድማ ንኲናት ሕድሕድ ብዝምልከት ዘርዚርዎም ዘሎ ሓቅታትን ንሱ ዘስዓቦ ከቢድ ሰብኣዊ ክሳራ ምስ ኣንበብኩ ክገልጾ ዘሽግረኒ ምረትን ሓዘንን ተሰሚዑኒ ፣ ከይተፈለጠኒ ዳማ ንብዕተይ ኮረር ኮረር ኢለን ወሪድን ።

ደራሲ ፣ ንሓይሊ ባሕሪ ህ.ግ. (ባሕሪያ)ን ባሕረኛታትን ኣመልኪቱ ፣ ኣብ እዋን ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታትን ብድሕሪኡን ፣ ኣስማቶም እናዘርዘረ ፣ ኣብቲ ጽንኩርን መሪርን ኩነታት ንዝተጻወትዎ ተራ ብምዝካር ዘስፈሮ ታሪኽ ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ጉዕዞኦም ዘጋጥሞም ዝነበረ ህቦብላ ባሕርን ፣ ንሱ ዘስዕቦ ዝነበረ ቅሳነት ኣልቦ ኩነታትን ተጻዊሮም ፣ ኣብ መንጎ ደቡብ የመንን ኤርትራን ዘመላልስዎም ዝነበሩ ዉጉኣት ፣ ብረትን ፣ ተቶከስቲን ፣ ስንቅን ካልእን ኣመልኪቱ ዝጻሕፎ ፣ ከምኡ’ውን ዉልዶ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ በቲ ዝነበሮ ዉህሉል ተመክሮ ተጠቒሙ ኣብ 1990 ኣብ እዋን ሓርነት ባጽዕ ዝተጻወቶ ወሳኒ ተራ …. ብጹፉፍን ንዝንኡ ብዝበቅዕ ቋንቋን ከቕርቦ ምኽኣሉ ኣዚዩ ዘኹርዕን ዘሕብንን እዩ ።

ካልእ ዝስሓበኒ ነጥቢ ፣ እቲ ብዛዕባ ኣበርክቶ ደቅንስቲዮ ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ኣስፊርዎ ዘሎ ሓቅታት እዩ ። ኣብዛ መጽሓፍ ፣ ንቃልሲ ድቂኣንስቲዮን ዝነበረን ኣድማዒ ተራን ኣብ ኣስታት 60 ገጻት ዘርዚሩ ኣቕሪብዎ’ሎ ። ዘጋጥመን ዝነበረ ሽግራት ብቡዙሕ መገዲን ኣገባባትን ዘርዚሩ፣ ንኣበርክቶእን ፣ ተረእን ፣ ትብዓተን ፣ ተወፋይነተን ፣ ተጻዋርነትን ፣ ጸንዓተን ፣ ቆራጽነት ፣ ጅግንነትን ፣ መስዋእተን ተንቲኑ ብህያው መርቶዖታት ኣሰኒዩ ከቕርቦ ምኽኣሉ ሓደ ካብቲ ቡሉጽነት ናይዛ መጽሓፍ’ዩ ክብል እደፍር። ደራሲ ፣ ብዘይ ተሳታፍነት ድቂኣንስትዮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት ኣይምኻለን ዝብል ብተደጋጋሚ ዘስምረሉ ሓቂ’ዩ። ኣብዛ መጽሓፍ ቀሪቡ ዘሎ ቃለ-መጠይቓት ፣ ነዓና ንተጋደልቲ ስለ ንፈልጦ ነዊሕን ዝርዝርዊን ኮይኑ ይስመዓና ይኽወን ። ነቲ ቃልሲ ዘይፈልጥ ግን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ተዘርዚሩ ዘሎ ዛንታ ቃልሲ ድቂኣንስትዮ ኤርትራ ፣ መሳጢን ኣገራሚን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣዚዩ ዘኹርዕን ዘሕብንን ታሪኽ እዩ።

ኣብዛ መጽሓፍ ዘለኒ ትዕዝብትታት
ኣብ መቕድም ናይዛ መጽሓፍ ፣ ድራሲ “ኣብዛ መጽሓፍ ኣስፊረዮ ዘለኹ ኣካዳሚያዊ መጽናዕቲ ውይ’ውን ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን ። ተዘኩሮታተይን ዝተሳተፍኩዎን ዝወዓልክዎን ፍጻሜታት በዝመስለኒ ኣገባብ ጌረ ኣቕሪበዮ ኣለኹ” ይብል። ይኹን’ምበር ፣ ኣብ ዝኾነ መጽሓፍ ፣ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ፣ ታሪኻዊ ክሲ ወይ’ውን ታሪኻዊ ነቐፌታን ፍርዲን ኣብ ዝቐርበሉ ግዜ ምንጪ ሓበሬታን ስነድን ክቐርብ ጉቡእ’ዩ። ምኽኒያቱ ፣ ነቲ መጽሓፍ ዝያዳ ሓቀኛን እሙንን ሰነድ ስለዝገብሮ።

ደራሲ ኣብ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ውገናት ህዝባዊ ሓይልታት ፍልልይ ከምዝነበረ ይጠቅስ። ኣብ ዝርዝራቱ ከይኣተወ ግን ናብ ካልእ ጉዳይ ይዘልል ። ካብ ዝነበሩ ፍልሊያት ገለ እንተዝጠቅስ እሞ ዝነበሩ ፍልሊያት ብኸመይ ከምዝተፈትሐ እንተዝነግረና ጹቡቕ ምኾነ እብል። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ፣ ሰልፊን ግንባርን ስለዝነበረ ፣ እዚ ከመይ ተወሃሂዱ ይሰርሕ ኔሩ ፣ ኣብ መስርሕ ቓልሲ ዝተራኣዩ ብድሆታት ከመይ ከምዝተሰግሩ እንተዝነግረና ተመራጺ ምኾነ ። ኣብ ህግ ሕጽረታት ወይውን ዉሽጣዊ ጸገማት እንተነይሮም ኣብ ከምዚ ዓይነት መጽሓፍ ክጥቀሱ ጹቡቕ ምኾነ ድማ እብል ። እታ መጽሓፍ ሚዛን ዝሓለወት ወይ (balanced) ምኾነት ዝብል እምነት ኣለኒ ።

ብኣጠቓላሊ ፣ እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ዉጽኢት ነዊሕ ስዓታት ስራሕን ሓያል ትግሃትን ጻዕርን እያ ። ንኣካዳሚያዊ መዕቀኒታትን መምዘኒታትን ንጎኒ ገዲፍና ፣ ሕሉፍ ታሪኽ እትምስክር ኣዚያ ሃብታም ሰነድ እያ ። ስነሓሳብናን ራኢናን እተሀብትም ፣ ስንቂን ዋልታን መጻኢ ወለዶታት ክኽወን ዝኽእል ረዚን ተመክሮ ዝሓዘለት መጽሓፍ’ውን እያ ። ኣም/ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ዘሕብን ታሪኽ ናይዚ ወለዶ’ዚ እዩ መዝጊቡልና ። ጥሙር ስነሓሳብን ራኢን ከምዘዐወተና ፣ ሓያል ዉዳቤን ንቕሓትን ክነድምዕ ከምዝሓገዘና ፣ ኣብ መስርሕ ቓልሲ ንጹር ራኢ ዝነበሮ ተባዕ መሪሕነት ከምዘጥረና ፣ መሪር ቃልሲ ከምዘሕለፍና ፣ ከቢድ መስዋእቲ ከምዝኸፈልና ፣ ንወለዶታት ክመሓላለፍ ዝኽእል ሃብታምን ሱጡምን ታሪኽ ከም ዘለና ….. እትትርኸ መጽሓፍ ከም ህያብ ስለዝሃብካና ብልቢ ኣመስግነካ ። ኣገናዕ ኣቡጣህር ድማ እብለካ ።

ኣብ ተዘክሮታትካ ጀሚርካዩ ዘለኻ ጉዕዞ ከቕጽል እላበወካ ። እዚ ጉዕዞ’ዚ ብድሕሪ ሕጂ ደው ክብል ወይ ክስናኽል ከም ዘይንደሊን ከም ዘይነፍቅድን ኣቐዲመ ክሕብረካ እፈቱ ። ኣብ ሓንጎልካን ሓንጎል መሳቱኻን “ገዳይም ተጋደልቲ” ዘሎ ተዘክሮታት ፣ ናይ ህዝቢ ንብረት ስለዝኾነ ፣ ኣረክቡና ዝብል ጻዊዕት ብቐጻሊ ይቃላሕ ኣሎ ። ኣብ ሕንጎልኩም ዘሎ ህያው ታሪኽ፣ ንብረትኩም ዘይኮነስ ንብረት’ዛ ሃገር እዩ’ሞ ኣረክቡና ።
ይቐንየለይ
ዓወት ንሓፋሽ!!!

******************************
***************************************

ኤርትራ ….ጉዕዞ ኣብ ተዘኩሮታተይካብዚ ቐጺሉ ድማ ፕሮፈሰር ተይሲር ሙሓመድ ዓሊ ዋና ኣካያዲ Peacebuilding Center for the Horn of Africa ብዛዕባ “ኤርትራ … ጉዕዞ ኣብ ተዘኩሮታተይ” ዘቕረቦ ርእይት ጾሚቕና ነቕርብ።
“ኤርትራ …. ጉዕዞ ኣብ ተዘኮሮታተይ’’ ብዱብዱቡ ከምዚ ዓይነት መጽሓፍ እያ ኢልካ ምዝራብ ኣጸጋሚ እዩ። ኣርእስቲ መጽሓፍ ናይ ሓደ ወልቀ-ስብ ታሪኽ ሂወት እዩ ዝእንፍት ። ግን ኣይኮነን ። ንዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝሓቕፍት መጽሓፍ ኮይና ረኺበያ። ታሪኽ ወልቀሰብ ፣ ታሪኽ ህዝቢ ፣ ቃልሲ ህዝቢ ፣ ጆግራፍ ሃገር ፣ ስነሓሳብን ፍልስፍናን ዘጠቓለለት መጽሓፍ እያ።

ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ፖሎቲካ ፣ ዲፕሎማሲ ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን ኩነታት ኣብርክቶ ዝነበሮ ተጋዳላይ ፣ ዝህቦ ርእይቶን ዝምስክሮ ሓቅታትን ዝሓዘለት መጽሓፍ እያ። ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ምረቱን ሕሰሙን ፣ ዝሓለፎ መስናኽላትን ብደሆታትን ፣ ሰውራ ዝተጎናጸፎም ዓወታትን ፣ ኣብ ባይታ ዝገበሮም ለውጥታትን እተዘንቱ እያ። ንትብዓትን ጅግንነትን ኤርትራዊያን ፣ ንጽንዓቶምን ቅየኦምን እትትርኽ ፣ ኣብ ገድሊ ምእንቲ ናጽነት ዝተኸፍለ መስዋእቲ እተዘንቱ መጽሓፍ’ውን እያ። ብኣጠቓላሊ ነቶም ኣብ ገድሊ ዘይተሳተፉ ብፍላይ ድማ ንሓድሽ ወለዶ ዝተዳለወት መጽሓፍ እያ ክብል እደፍር።

ደራሲ፣ ንጎዕዞ ተዘክርታቱ ብምስዓብ ቡዙሓያት ጉዳያት ክንፈልጥ ኣኽኢሉና ። ህዝባዊ ግንባር ሓያል ዉዳቤን ፣ ስትራተጂካዊ ራኢን ፣ ኑጹር ስንሓስብ ከምዝነበሮ ክንረድእ’ውን ኪኢልና። ዞባዊን ኣህጉራዊን ዝምድናታት ሰውራ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ምስ ዒራቕ ፣ ሲሪያ፣ ግብጺ ፣ ሱዳን ፣ ደቡብ የመን ፣ ኩዌት ፣ ሱማል ዝነበሮ ዝምድና’ውን ዘርዚሩልና ። ረብሓ ኣሜሪካን ሶቭየት ሕብረትን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍርቃ ፣ ንሱ ዝፈጠሮ ሕልኽላኻትን ሃሲያን ፣ ንሱ ዘስዓቦ ምትእትታው ኣብ ልዕሊ ስውራ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝነበሮን ክሳብ ክንደይ ንህላዌኡን ቀጻልነቱን ዝደናደን ከምዝነበረ ብሰነዳት ድጊፉን ተንቲኑን ኣቕሪቡልና።

እዛ መጽሓፍ ብቐሊልን ፣ ሉዙብን ፣ ላዛ ብዘለዎ ቛንቛን ኢያ ተጻሒፋ ። ከቢድ ጻዕርን ጊዜን ከምዝወሰደት ድማ ሩዱእ እዩ ። ደራሲ ፣ ንኣብያተ ንባብ ኤርትራን ተመራመርቲን ኣገዳሲ ሰነድ ኣበርኪቱ’ሎ። ነዛ መጽሓፍ ብምንባብ ቡዙሕ ዘይንፈልጦ ዝነበርና ክንፈልጥ ኪኢልና’ለና። ይቕኒየልና ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዶሪ።

ኣስዒብና ጓል ደራሲ ወ/ሪት ዛህራ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ በዚ ኣጋጣሚ ንወላዲኣ ዝደረሰታ ንኹሉ ዝመሰጠት ግጥሚ ነቕርብ።

GREART FREEDOM WRITERS

ኤርትራ ….ጉዕዞ ኣብ ተዘኩሮታተይ

Who are those freedom writers
Who are those mighty fighters?
Are those who swore?
Not to leave their heroes behind
Who are those freedom writers?
Of this great land

Those who chose pen
To be their weapon
Yet never hesitated
As doors of fear start to open

Those who ended
Endless wars with a full stop
Those who defeated the enemy
With ever rising pride & great hope

Those whom words today
Stand proudly on the paper shore
Their eyes of happiness
Tears of success they wore
Yet those who wrote the story
Of our great fathers
Those who helped raise a nation
With dignity and peace
Those who carried the responsibility
In finishing the mission
Of our great martyrs

Those who suffer
For their words to survive
Not knowing when glory will arrive
Those who stepped on their happiness
And chose their history to save

Those are great freedom writers
Who write for the generations to know
For their heroes in graves to glow
Standing today in light
Yet not open doors but gates
For words of honor and wisdom to ignite

By: Zahra Ahmed Tahir Baduri

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie