March 9, 2019

ቃል ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራ
(8 መጋቢት 2019)

8 መጋቢት፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ “ሰላም ውጽኢት ጽንዓትና – ልምዓት ፍረ ዕዮና” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቴማ፡ ሎሚ እውን ከም ወትሩ፡ ኣብ መላእ ሃገር ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ተዘኪራ ትውዕል ኣላ። ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከንበርክኽ ዘንቀደ፡ ብዙሕ ዝዓይነቱ ሽርሒታትን ውዲታትን በርዒኑ፣ ፍረ ጽንዓትን ክምህ ዘይብል መኸተን ህዝቢ ኤርትራ፡ ብግብሪ ኣብ ዝተራእየሉ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሐ ኩነተ ውግእን ተጻብኦን ኣኽቲሙ፡ ብደረጃ ዞባ፡ ዘመነ ሰላምን ምትሕብባርን ኣብ ዝተቐልቀለሉ፡ ሓድሽን ፍሉይን መድረኽ እያ ትዝከር ዘላ። ናብዚ መድረኽ’ዚ ንምብጻሕ ኣብ ዝተሰገረ ከቢድ ቃልሲ፡ ተራ ደቀንስትዮ ኤርትራ እንታይ ከምዝነበረ መግለጺ ወይ ሓተታ ዘድልዮ ኣይኮነን። ደቀንስትዮ ኤርትራ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ተጋድሎ ኮነ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ መዋእል ምዕቃብ ልኡላውነትን ዳግመ ህንጻን፣ ረባሕታ መኸተ፡ ድርዒ ሰላምን ልምዓትን ምዃነን፡ እቲ ዝኸፈልኦ ረዚን መስዋእቲን ግብራዊ ስርሐንን ባዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ ዝምስክሮ እዩ። ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲን ህይወትን ተሰሊፈን ዘጉልሕኦ ብቕዓት ከኣ፡ ንኣመለኻኽታ ዜጋታት ብመሰረቱ ቀይሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ጾታዊ ማዕርነት ንብዙሕ ድሕረታት ዝሰገረ ምዕቡል ኣረኣእያ ዘለዎ ሕብረተሰብ ክኸውን ኣብቂዕዎ ኣሎ።

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie