March 27, 2021

ጋዜጣዊ መግለጺ
መሰረት-ኣልቦን ዘይቅድውን ውሳነ ኤውሮጳዊ ሕብረት

ኤርትራ፡ ባይቶ ሚኒስተራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ንዘሕለፎ መሰረት-ኣልቦን ዓንቃጽን ውሳነ፡ ብትሪ ነጺጋቶ’ላ። ኣብ’ቲ “ገታኢ ስጒምቲታት ንጒሉሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት” ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ውሳነ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ በዚ እኩይ ተግባሩ ብፍሉይ ንቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ’ዩ ዒላማ ገይሩ። ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ነዚ ውሳነ’ዚ ከሕልፍ፡ ሕጋዊ ይኹን ሞራላዊ መዝነት የብሉን። ዝተፈብረኸ ክስታት’ውን፡ መንቀሊኡን ተልእኾኡን ካልእ ሕቡእ ዕላማታትን ኣጀንዳታትን እዩ።ግደ ሓቂ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንዝሞተ ጃንዳ ወያነ ንምድሓን ይኹን ናብ ስልጣን ንምምላስ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብድሆታቱ ንምግጣምን ኣጠቓላልን ዘላቒን ምትሕብባር ንምስጓምን ንዘካይዶ ዘሎ ዕቱብ ጻዕሪ ንምድኻም፡ ብህልኽ ክሰርሕ ጸኒሑ’ዩ።ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ’ዚ መግለጺኡ’ዚ፡ ንኤርትራ ነጺሉ ዒላማ ዝገበረሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጐርቢ ንምስኳዕ ናይ ዘለዎ ዕላማ መርኣያ’ዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ
ኣስመራ 22 መጋቢት 2021

Latest Articles

Men’esey November 2025 Men’esey Magazine

طرح الموضوع مباشرة بدلاً من المراوغة…!!!

Statement by Ambassador Salih Omar Abdu at the 7th...