November 20, 2021

ቃለ መጠይቕ ምስ
ጽሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን
ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ፡ « ድ.ሓ.ኤ. »
ልዑል ሃገራውነት ዝነደቐት ማዕከን ዜና’ያ”

ብግርማይ በርሀ (ዓሲንባ )
– ምስረታ ድ.ሓ.ኤ. ዝደረኸ ኩነት?
* ኣብ ኣጋጣሚ ምምስራት ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ፡ ንኣንበብቲ ብዛዕባ ታሪኻዊ ጉዕዞ ድ.ሓ.ኤ ምግላጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ድሕረ ባይታ ኣመዓባብላ ሜድያ ምርኣይ ከኣ ተበጺሑ ንዘሎ ደረጃ ንጹር ስእሊ ኣብ ምሃብ ሓጋዚ እዩ። ሜድያ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ ጣልያን እዩ ጀሚሩ። ጣልያን ንናቱ ረብሓ፡ መምርሒታት የውጽእ፣ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ኣብ ኣኼባታት፡ ኣብ መርዓ ነቲ ናቱ ፖሊሲን መደባትን ንምግላጽ ብዝተፈላለየ ሜድያ ይጥቀም ነይሩ። እንግሊዝ ምስ መጸ ኣብ ነሓሰ 1941 ንመጀመርታ እዋን ሓደ ኣዋጅ ኣውጺኡ። ካብ ሎሚ ንድሓር ብማስ ሚድያ (መራኸቢ ብዙሓን) መምርሒታትና ከነውጽእ ኢና፣ ህዝቢ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝግበር ክፈልጦ ኣለዎ፣ ርእይቶ እንተለዎ ሜድያ ይጠቐም ዝብል ኣዋጅ። ስለ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ንፈለማ ግዜ ብመጠኑ ሓሳባቱ ዝገልጸሉ ሚድያ፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር እንግሊዝ እዩ ዳርጋ ተጀማሚሩ ክንብል ንኽእል። እዚ ንዘመናዊ ማስ ሚድያ ማለትና እዩ እምበር፡ ኤርትራዊ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ኣብ ከበሳ፡ መታሕትን ኣብ ዝተፈላለዩ ካልኦት ቦታታትን ኣብ መርዓ፡ ሓዘንን ካልእ ኣጋጣሚታትን ብግጥሚ፡ ብማሰ፡ ብደርፊ፡ ብሳዕስዒት ወዘተ ሓበሬታ ይለዋወጥ ነይሩ’ዩ። ዘመናዊ ሚድያ ድማ ኣብ 50ታት ብፍላይ ድማ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ኣዝዩ ሰፊሑ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ሽዑ ዝነበረ ጋዜጣታት ምስ ዕላማታት ኢትዮጵያን

download

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie