April 3, 2022

ሕብረት ኣፍሪቃ – ግቡእ መርገጺ

መበል 35 ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብ6 ለካቲት 2022 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባል ሃገራት ናይቲ ውድብ ዝጽዓን በይናኣዊን ቀሳቢን ስጉምቲታት፡ ኣንጻር ኣህጉራዊ ሕጊን ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ደንብታትን፣ ብቐንዱ ድማ፡ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝጻረር ምዃኑ ብምጉላሕ፡ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳንን ዚምባብወን ኣስገዲደንኦ ዘለዋ ዘይሕጋዊን ዘይፍትሓዊን እገዳታት ብቕልጡፍ ክለዓል፡ ልኡላውነትን ሕርያን ናይዘን ሃገራት’ዚኣተን ክኽበር ብምጽዋዕ፡ ምሕዝነቱ ምስ ህዝብታተን ኣረጋጊጹ።
እዚ ውሳነ’ዚ፡ ኣብ ታሪኽ ናይዚ ክፍለ-ዓለም ይኹን ዋዕላታት ኣህጉር ኣፍሪቃ ብርቂ ተርእዮ’ዩ። ኣመት ናይቲ ኣብ ህዝብታትን መንግስታትን ኣፍሪቃ እናበረኸ ዝመጽእ ዘሎ ንቕሓት ገይርካ’ውን ክውሰድ ይከኣል።
ልኡኽ ኤርትራ ኣብቲ ዋዕላ፡ ኣፍሪቃ፡ ንጸጥታኣን ቊጠባዊ ምዕባለኣን ኣብ ዝሃሲ ዕቱብ ጉዳያት ከይተረፈ ተዓዛቢት ኮይና፡ ዘይግሃስ መሰላ ንነጻ ፖለቲካዊ ሕርያን ቊጠባዊ ልምዓትን ብተደጋጋሚ ክባጨወሉን ክብሕጐግን ምጽንሑ፡ እዚ ከኣ፡ ውጽኢት ናይቲ ምዕራባውያን ሓይልታት፡ ንምዕባለታት ብዓይኒ ረብሓታቶም ንምቕራጽ ዘካይድዎ ካብ ቅልጽምን ብድዐን ዝብገስ ዓማጺ ተግባራት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሕሉፍ ምእዙዝነት ኣፍሪቃ ንግዳማዊ ረብሓታት፡ ነዚ ኩነት’ዚ ምቹእ ባይታ ፈጢርሉ ምጽንሑ ጸቕጡ ከምዘስመረሉ

download

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie