March 14, 2023

ቃለ-መሕትት ምስ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ14ን 18ን የካቲት 2023 ከምኡ’ውን ብ4ን 11ን መጋቢት 2023፣ ምስ መራኸቢ ብዙሃን ኤርትራ፣ ንኣህጉራዊ፣ ዞባውን ዘቤታውን ጒዳያት ኣመልኪቱ ቃለ መጠይቓት ኣካይዱ።

ምሉእ ትሕዝቶ እቶም ቃለ መጠይቓት ይስዕብ፣-

1ይ ክፋል
ኣህጉራዊ ጉዳያት

• ክቡር ፕረዚደንት፡ እዚ ቃለ-መሕትት እዚ ንሓደ ወርሒ ከም ዝዝርጋሕ ገይርናዮ ኣሎና፣ ዕድል ስለዝሃብካና ነመስግን። ፈለማ በቲ ብቐረባ ዝጸልወና ዞባዊ ኩነታት ክንጅምር። ዓሚ ጥሪ ኣብ ዝገበርናዮ ቃለ-መጠየቕ – ዕንደራ ወያነ ከምዘየብቅዐ፣ ወያነ ትንፋስ ንኽሰኲዕ ብኣሸቀልቱ ብዛዕባ ዝካየድ ዝነበረ ሽርሒታት. . . ኣመት ሂብካ ነይርካ። ከምቲ ዝበልካዮ ድማ፡ ከም’ቶም ቀዳሞት ክልተ ሃቐናታት ኣብ ወቕቲ ክራማት – ወያነ ንሳልሳይ ግዜ ዕንደራ ሃቂኑ፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ ውዕል ምፍታሕ ዕጥቂ ክፍርም ተቐሲቡ። ነዚ ዝደረኸ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ምዕባለታት ብልክዕ እንታይ እዩ። መጻኢ ኣመቱኸ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

እወ፡ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ክለዓል እንከሎ፡ ፈለማ ኣብ ሓንጎል ናይ ዝዀነ ሰብ ዝመጽእ – ንምንታይ እዩ ኲናት ዝድለ ዘሎ ዝብል እዩ። እዚ ናይ መወዳእታ ሳልሳይ ዙርያ ናይ ጠላዕ ዕንደራ፡ ካበይ መጺኡ? ዝብል፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሓጻር ግዜ ጥራይ ክትርእዮ ዘይኰነ ብዕምቆት ክትርድኦ፡

download

Latest Articles

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...

Statement by Ambassador Sophia Tesfamariam Permanent...

Conversation with Ceramic SculptorNasser Abdelwasie