March 26, 2023

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ክቡር
ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ

(ምስ ሩስያዊ መዘናኡ ኣብ ዝሃቦ ሓባራዊ ጋዜጣዊ ዋዕላ)

ሶቺ፡ 22 መጋቢት 2023
ዝኸበርካ ሰርገይ ላቭሮቭ – ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈደረሽን ሩስያ! ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን! ፈለማ ኣብዛ ምጭውቲ ከተማ ሶቺ፡ ኣቐዲሙ ዝጀመረ ሕውነታዊን ኣጠቓላልን ዝርርብ ንኽቕጽል ዕድል ንዝሃቡና፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭን መንግስቲ ፈደረሽን ሩስያን ዓሚቝ ምስጋናይ ክገልጽ ኣፍቅዱለይ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ናብ ኤርትራ ዝገበርካዮ ኣገዳሲ ምብጻሕን ምስ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘካድካዮ ዝርርብን፡ ነቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዝምድናና ዘጉልሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣጠማምታናን ኣካዪዳናን ኣብ ጉዳያት ክሳብ ክንደይ ዝተጣመረ ምዃኑ ዝመስከረ ምንባሩ ክገልጽ እፈቱ። ኣንጻር’ቲ ተጻባኢን ጸቓጢን እናማህመነ ዝኸይድ ዘሎን እንኮ-ቝጥባዊ ስርዓት፡ ብሓባር ደው ኢልና፡ ነቲ ዓንዲ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ምኽባር ልኡላውነት ሃገራት እናጸዋዕና ምዕሩይን ፍትሓውን ግሎባዊ ስርዓት ንኽሰፍን ንጽዕር ኣለና። ኣንጻር

download

Latest Articles

Men’esey November 2025 Men’esey Magazine

طرح الموضوع مباشرة بدلاً من المراوغة…!!!

Statement by Ambassador Salih Omar Abdu at the 7th...