March 19, 2024

ጠቐነ ማይክ ሃመርን ልኡኻት ዋሺንተንን እንታይ’ዩ ዕላማኡ?

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ
ፍሉይ ልኡኽ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመርን ከም ወያነን ካልኦት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ወኪላት ዋሽንግቶንን ብተደጋጋሚ ብዘሰልቹ ኣገባብ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ዝተፈላለየ መግለጺታት እናሃቡ ካብ ዘየሎ ሽግር ንምፍጣር ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። ሓይልታት ኤርትራ ካብ ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያ ክወጽእ ከኣ’ዮም ዝጠልቡ። እቲ ዘገርም ግን ካበየናይ ከባቢ’ዩ ፈልዮም ብስሙ ኣይጠቕሱን እዮም። ምኽንያቱ እቲ ብባርኾት ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ቢል ክሊንቶን ብ13 ግንቦት 1998 ብጭፍራ ወያነ ዝተወልዐ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረት’ቲ ብ13 ሚያዝያ 2002 ብኾምሽን ምምልካት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝወጸ ናይ መጨረሽታን ቀያዲን ውሳነ መደምደምታ ከም ዝተገብረሉ ስለዝፈልጡ።

download

Latest Articles

መጅልስ አምን ወለዛልም ቀራራቱ ድድ ኤረትርየ

Keynote Address of Minister Fawzia Hashim at the...

ሓጺር ታሪኽ ሕጋዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ...