February 20, 2021

መደምደምታን ተኽእሎ ፍታሕ ሽግር ሶማልያን

ዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

ኣብ’ዚ እዛ መጽሓፍ’ዚኣ እተልዕሎም ሓሙሽተ ኽፋላት፡ ሕዱር ሽግር ሶማልያ ብዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ ብ2001፡ 2006፡ 2010ን፡ 2018ን ብዝተኻየደ መጽናዕቲ ቐሪቡ ኣሎ። ካብ’ቲ ስርዓት መሓመድ ስያድ ባረ ብ1991 ዝወደቐሉ እዋን ጀሚሩ ሶማልያ ኣብ ብፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቊጠባዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ጸጥታውን ስነ ኣእምራውን መዳያት ዘጋጠማ ጸገማት ብኸመይ ኣገባብ ከም እትሰግሮ መሰረታዊ ሕቶ’ዩ። ብዙሓት ኣህጉራውያን ሓይልታት ንሽግር ሶማልያ ከም ምኽንያት ተጠቒሞምሉ’ዮም። መራኽብ ኲናት ምዕራብን ምብራቕን ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዝተፈላለየ ዕላማ ንምትግባር ሰፊረን ኣለዋ። መሓመድ ዓብዱላሂ ፈርማጆ፡ ፕረዚደንት ፈደራዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ኾይኑ ምስ ተመርጸ፡ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ብ8 የካቲት 2017 “ኣብ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታዊ፡ ቊጠባውን ወተሃደራውን መዳያት ኣዝዩ ኣሸጋሪ ዂነታት ወሪሰ፡” ብምባል ገሊጹ። [1] ነቲ ተበታቲኑ ክሳብ ትሕቲ እንዳዊ ደረጃ ወሪዱ ዘሎ

download

Latest Articles

May 1991 – May 2025 34th Anniversary of...

ገበናት ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ብምኽንያት...

جزيرة دسي المحمية البحرية