September 12, 2020

ብዛዕባ ጸገማት ምጽሓፍን ምንባብን ታሪኽ

ዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

መእተዊ
እዛ ወረቐት እዚኣ ብዝያዳ ንኽትዕ ዝቐርቡ ሕቶታት’ምበር፡ ነቶም ዘጋጥሙ ሽግራት መፍትሒ ዝኾኑ መልስታት ኣይተቕርብን እያ። ምኽንያቱ ብርእይቶይ ግብራዊ፡ ክውንነታውን ቅኑዕን መልስታት ብሓደ ሰብ ዝመጽእ ወይ ኣብ ሓደ ሓባራዊ ዘተ ዝበርህ ዘይኮነ፡ ከም ናይ ምጽሓፍን ምንባብን ታሪኽን ካልእን ጸገማትን ቅኑዕ ፍታሕ ዝርከቦም ብቐጻልን ቅሉዕን ዘተ’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ንኣርእስቲ እዛ ወረቐት’ዚኣ እንተ ተዓዚብና’ውን ንዂሉ ጸገማት እተቕርብ ዘይኮነት፡ ነቲ ገለ ወገናት ከም ርዱእ ዝወስድዎ ገለ ጸገማት ጥራሕ’ያ እተቕርብ። ይኹን’ምበር ንገለ ርዱእ ዝኾነ ጒዳይ፡ ንኻልኦት ጸገማት ክኸውን ከም ዝኽእል መጠን፡ ብእኡ ደረጃ ድማ ንገለ ጸገማት ዝኾነ ንኻልኦት ርዱእ ክኸውን ይኽእል እዩ።

download

Latest Articles

Men’esey November 2025 Men’esey Magazine

طرح الموضوع مباشرة بدلاً من المراوغة…!!!

Statement by Ambassador Salih Omar Abdu at the 7th...